ኣብ ላስቬጋስ ዕውት ኣኼባታት ተኻይዱ

13/07/2012
ብዕለት 07/04/2012 ብዕለት 07/11/2012 ኣብ ላስቬጋስ ብዝሒ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዕውት ኣኬባታት ተኻይዱ። ብመጀመርታ ብዕለት 07/04/12 ብኣቶ ረዲኢ መሓሪ (ኣለና) ደራሲ ትልሚ ንዘረኢ ኽርዳድ፡ንመንእሰያትን ህዝብን ላስቬጋስ ታሪኽ ኢሰያስን ደቂ መዛሙርቱን፡ ኣመጻጽኣ ኢሰያስን ሰዓብቱን ናብ ስልጣን፡ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ካብ ህዝቢ ንዝቀረበሉ ሕቶታት ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።
እቲ ብኣቶ ረዲኢ መሓሪ ዝቀረበ ታሪክ ኢሰያስን ሰውራ ኤርትራን ንብዙሓት ሰባት ከምዘገረመን ከምዘደንጸወን ተገሊጹ። ድሕሪ እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ እቲ ኣኬባ ንኣቶ ረዲኢ መሓሪ ሓያል መጎሰኦምን፡ ኣድናቆቶምን ብምግላጽ ፡ ነቲ ክቅበርተሓሲቡ ዝነበረ ታሪክ ብትብዓት ብምቅላዕካ ኽብርን መጎስን ንዓካ ይኹን ኢሎሞ። ብምቅጻል እቶም ተሳተፍቲካላኦት ገዳይም ተጋደልቲ እቲ ዝፈልጥዎ ታሪኽ ወይ ሚስጢር ዓቂቦሞ ስቅ ምባሎም ገለ ድማ ሒዘሞ ምማቶም ከምዘደንጸዎም ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ ኣሰር እዚ ተባዕ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኽስዕቡ ተላብዮም። ንኣቶ ረዲኢ ድማ ኣብ ምጥርናፍ ደንበ ተቃውሞ እጃሙ ከበርክት ለበዋኦም ኣቅሪቦም።
ቀጺሉ ዕለት 07/11/12 ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብኣባላት ባይቶ ኣቶ ኢሳቅን ይሕደጎን፡ ኣቶ ኣብራሃም ነጋሲን ዕላማታትንእስትራተጂን ሃገራዊ ባይቶ ብሰፊሕ ናብ ተሳተፍቲ ጸብጻብ ኣቅሪቦም። ብድሕሪ እቲ ዝሃብዎ ጽማቅ መብርሂ ብተሳተፍቲ ንዝቀረበሎም ሕቶታት ብዘዕግብ መንገዲ ኣብሪሆም። እቶም ተሳተፍቲ ድማ እቲ ብኣቶ ኢሳቅን ኣቶ ኣብራሃምን ዝቀረበሎም መብሪሂታት ከምዝዓገቡን ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ኣኬባትት ነጻን ግልጽነትን ከምዝነበሮ ብምግላጽ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ባይቶ ደው ብምባል ከምዝሰርሑ ገሊጾም። ቀጺሎም ብገለ ስሚዒታውያን ኣንጻር ቃልሲ ዝግበሩ ዕንቅፋታት ኣቃልቦ ከይገበሩ ክስጉሙ ምኻኖም እቶም ተሳተፍቲ ኣስሚሮምሉ።
ቀጺሉ ሰለስተ ዛኣባላታ ኣምራጺት ሰክረተሪ ኣቒሞም፡ እቶም ኣምራጺት ሰክረተሪ ድማ ኣቶ ሲዒድ ኢብራሂም፡ ኣቶ ከራር ህያቡን ኣቶ ዮሴፍ ፍሰሃየን ከምዝኾኑንብዲሞኽራስያዊ መንገዲ ድማ ንሃገራዊ ባይቶ ዝውኽሉ ሓንቲ ጓል አንስተይቲ ዘላቶም ሸውዓተ ሰባት ተመሪጾም እቲ ኣኬባ ብዘዕግብመንገዲ ብለበዋ ተዛዚሙ።
ደንበ ተቃውሞ ላስቬጋስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7333

Posted by on Jul 15 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net