ዜናዊ ጸብጻብ

31/07/2012

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

መሪሕነት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኣብ ጽባሕ ናይ ሙቛም መሪሕነቱ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ስራሕ ርክባት ኣካይዱ፡፡

እቲ ላዕለዋይ ኣካል ብመሰረት ዉሳኔ ናይ ተጋባእቲ መንእሰያት ደብረዘይቲ ብቀረባ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ብዝወሰኖ መሰረት ቦኽሪ ናይ ስራሕ ዑደቱ ብዕለት 21 ሓምለ 2012 ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብምኻድ ሓጺር ናይ ሌላ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ኣካል መንእሰይ ተስፉ ኣጽባሃ ነቲ ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ደምዳሚ መግለጺኡ ዘውጽኦ ዉሳኔ ብቃሉ ደጊሙ ንኹሎም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣረጋጊጹ፡፡

ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ ብወገኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝወሰድዎ ታሪኻውን ሓላፍነታውን ተበግሶ ድሕሪ ምንኣድ ንናይ ሓባር ዕላማ ኢድ ንኢድ ተታሒዝና ስቓይ ህዝብና ከነሕጽር ከምዘለናን እዚ ንምግባር ከኣ ግደ መንእሰያት ልዑል ሙኻኑ ድሕሪ ምግንዛብ ነቲ መንእሰያት ዘካየድዎ ኣኼባ ደብረዘይቲ ዝድግፍ መግለጺ ብሽም ሃገራዊ ባይቶ ከምዘውጽኡ ወሲኹ ኣረዲኡ፡፡
መሪሕነት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ፈላሚ ናይ ስራሕ ዑደቱ ብቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምጅማሩ ኸኣ መርኣያ ልቦና መንእሰያትና እዩ ክብል ገሊጹ፡፡

ብምቕጻል  ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ዑደቱ መሪሕነት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ናብ ቤት ጽሕፈት ሰንዓ ፎረም
ብምኻድ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተዓሙ ስራሓትን ዝተወጠኑ መደባትን ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ቐጻሊ ብዛዕባ ክህልዉ ዘሎዎም ናይ ስራሕ ርክባት
ተመያይጡ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሑ፡፡

ቕድም ክብል እዉን ብዕለት 19 ሓምለ 2012 መሪሕነት ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ብምግባር ብጉዳይ ኤርትራውያን ምስ ዝነጥፉ ኣካላት ድሕሪ ዝገብሮ ርክብ ኣብ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ዝምልከቱ ጉዳያትን ብዛዕባ ክህሉዉ ዝግብኦም ናይ ሓባር ስራሕ ተዘራሪቡ፡፡

ኣብ ቀጻሊ ድማ ነዚ ዕማም ብዝሰፍሐን ዝሓየለን ሽግር ኤርትራውያን ኣብ ምፍታሕ ብዝምልከት ሓቢሮም ክሰርሑ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኩሎም መሪሕነት ፖሊቲካውያን ዉድባት ኤርትራ ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ ሓባር ናይ ድራር እነግዶትን ብምኽንያት ጾም ሮሞዳን ፉጡርን ኣብ ሸራተን ኣዲስ ብቤት ጽሕፈት ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስተርን ናይ ፈደራላዊት ሪፓብሊከ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ሚኒሰተርን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተገይሩ፡፡ኣብቲ ዝተጸውዐ ናይ ድራር እንግዶት ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ብምኽንያት ምጅማር ምንቐስቓስ መንእሰያት ዝተሰምዖም ሓጎሰ ገሊጾም፡፡

ብምቕጻል ወከልቲ ፖሊቲካውያን ዉድባት ኤርትራ ብህዝብን መንግሰትን ኢትዮጵያ ንዝግበር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ብስም ኩሉ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምምሰጋን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓጽረሉ መንገዲ ንምንዳይ ናይ ሓባር ዝተወሃሃደ ዕማም ይጽበየና ከምዘሎ ኣስሚሮሙሉ፡፡

መሪሕነት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ድሕሪ እዚ ናይ ስራሕን ሌላን ዘካየዶ ርክባት ቀጺሉ ኣብ ደብረዘይቲ ንዝተወሰነ ቅርጽን ሓላፍነት ናይ ማሕበር ብዝኣተዎ ቃል ኪዳን መሰረት ስርሑ ኣብ ምንዳፍን ምጽፋፍን ኣብ ተኸታታሊ ቀጻሊ ዉሽጣዊ ኣኼባታቱ ብምእታው ዉሽጣዊ ስርዒታቱ፡ዉዳበታቱን ዝመሓደረሉ ሕግታትን  ኣብ ምጽፋፍ ተጸሚዱ ይርከብ፡፡ ብተወሳኺ ንኹሎም ኣባላት
ፈጻሚት ሽማግለን ነቶም ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ኣባላት ባይቶን ተሓጋገዝቶምን ናይ ስራሕ ዕማማት ብምሃብ ናብ ዝቕጽል
ግብራዊ ስርሓቱ ንምእታው ኣብ ምድላው ከምዝሎ ኣፍሊጡ፡፡

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን ሓበሬታን

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር

01/08/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7466

Posted by on Aug 6 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net