ኣብ ቶረንቶ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ምውጻእ ገንዘብ ቆንስል ኤርትራ ተኻይዱ

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣ ንብቆንስል ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ውራይ ብምቅዋም ኣብ ፊት ሸራተን ሆቴል ዳውንታውን ቶረንቶ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እዚ ብ5 ነሓሰ ብተበግሶ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝተወሃሃደ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ( ENCDC ) ን ኢፒዲፒን ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ፡  ንሕቡእ ኣጀንዳ ናይቲ ኣብ ሸራተን ሆቴል ዝካየድ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ምውጻእ
ባህላዊ ምርኢት ዘቃልዕ’ዩ ኔሩ። ኣብቲ ካብ ሰዓት 7 ክሳብ 11 ናይ ምሽት ኣድማ ዘስምዕዎ ጭርሖታት፡ ‘ግብረሽበራውያን ንምሕጋዝ ዝግበር ገንዘብ ምውጻእ ጠጠው ይበል! ቀረጽ 2% ጠጠው ይበል! ምምዝማዝ ቤተ-ክርስትያናት የብቅዕ! ሰብኣዊ መሰል ይከበር! ምሻጥ ህዋሳት ኤርትራውያን የብቅዕ! ሰባት ምንጋድ ጠጠው ይበል!’ ወዘተ ዝብል ንክፍኣትን ሸርሕታትን ስርዓት ህግደፍ ዘጋልጽ’ዩ ኔሩ።

ዋና ኣማሓዳሪ ሸራተን ሆቴል፡ በቲ ኣብ ኣፍደገ ሆቴሉ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ተረቢሹ ንኣስታት 3 ሰዓታት ብኣንክሮ ይከታተል ኔሩ። ገለ ኣጋይሽ ሒዘን ዝመጽኣ ታክስታት ኣብቲ ኣፍደገ ሆቴል ሓንሳብ ጠጠው ኢለን ነቶም ሰልፈኛታት ምስ ራኣያ፡ ኣጋይሽን ከየውረዳ ናብ ካልኦት ሆቴላት ክኸዳ ይራኣያ ኔረን።

ሓደ ካብቶም ኣጋይሽ፡ ነቲ ንኩነታት ሃገርና ዝገልጽ ጽሑፍ ምስ ተቐበለን ነቲ ሰልፈኛታት ሒዞሞ ዝነበሩ ታቤላታት ምስ ኣንበበን፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ድሓን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ብምግላጽ ንስለ ደገፍ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሸራተን ሆቴል ሒዝዎ ዝነበረ መደቀሲ-ክፍሊ ሰሪዙ ናብ ካልእ ሆቴል ክኸይድ ምዃኑ ብምግላጽ ምስታ ሒዛቶ ዝመጽአት ታክሲ ተመርቂፉ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቶም ኣካየድቲ ስራሕ ሸራተን ሆቴል ዓቢ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ካብቲ መመሊሱ ዝቐይሕ ዝነበረ ገጾም ምንባብ ይከኣል ኔሩ።

እቶም ናብቲ ናይ ሳዕስዒት ቦታ ክኣትዉ ዝመጽኡ ሰባት፡ ገሊኦም ነቶም ሰልፈኛታት ምስ ራኣዩ ብማዕዶ በታ ዝመጽእዋ ክምለሱ ከለዉ፡ ገለ ድማ ሕልንኦም ሓኺኾም ነቲ ፍጻመ ብከምኡ ከምዘይራኣዩ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን ናብኡ ዝኣትውሉ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጾም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኩሉ መለክዒ ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ዕዉት’ዩ ኔሩ። ኣድመኛታት ኣብ ክልተ ገጻት ዝተጻሕፈ ንኣረሜናዊ ባህሪ ስርዓት ህግደፍ ዝገልጽ ከምኡ ውን ንዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ምውጻእ መስርሕ ቆንስል ኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ንኩሉ ሓላፊ መንገዲ ዓዲሎም።

ብተወሳኺ ንዋሕዚ ናብቲ ባህላዊ ምርኢት ንምስታፍ ዝመጽኡ ሰባት ዘጉደሎ ብስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ዝተገብረ ናይ ሮቦኮል ጻውዒት’ዩ። ስ.ኤ.መ.ለ. ናብ 950 ቴሌፎናት ኤርትራውያን ካናዳውያን ቴሌፎን ብመንገዲ ሮቦኮል ብምድዋል ኣብቲ ባህላዊ ምርኢት ምስታፍ ዘለዎ ኣሉታዊ ተራ ብምግላጽ ህዝቢ ክቑጠብ ጻውዒት ብቀትሩ ኣቕሪቦም ኔሮም። ነቲ መልእኽቲ ሰሚዖምን ነቲ ሰልፊ ኣድመኛታት ርእዮም ሓሳቦም ክቕይሩ ዝተገደዱ ብዙሓት ከምዝነበሩ ካብቲ ዘርጠብ እናበለ ዝኣቱ ዝነበረ ውሑድ ቁጽሪ ምግምጋም ይከኣል።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7492

Posted by on Aug 8 2012 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net