News

ብምኽንያት ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝወጸ ናይ ዮሃና መግለጺ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ብድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ዝተባርኸ ናይ ረመዳን  ጾም ምፍታሕ  ዝበዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣል ሙባረክ ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ  ንኣመንቲ ምስልምና ርሑስ በዓል ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ፡፡

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብ ኣጋጣሚ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ  ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ዘተኣናግድ ሕብረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን ምእንቲ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታዊ እምነታቱን መሰላቱን ክብርታቱን ንንምላስ ኣንጻር ጸረ ህዝቢ ጨፍጫፊ ንዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ተጋድሎ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብዓወት ክጽንበል ኩሉ ዓቕምታቱ ኣታሓባቢሩ ብጽንዓት ክምክት ጻውዒቱ የቕርብ።

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ

17 ነሓሰ 2012

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top