ብምኽንያት ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝወጸ ናይ ዮሃና መግለጺ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ብድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ዝተባርኸ ናይ ረመዳን  ጾም ምፍታሕ  ዝበዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣል ሙባረክ ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ ድማ  ንኣመንቲ ምስልምና ርሑስ በዓል ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ፡፡

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ብ ኣጋጣሚ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ  ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ዘተኣናግድ ሕብረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን ምእንቲ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታዊ እምነታቱን መሰላቱን ክብርታቱን ንንምላስ ኣንጻር ጸረ ህዝቢ ጨፍጫፊ ንዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ተጋድሎ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብዓወት ክጽንበል ኩሉ ዓቕምታቱ ኣታሓባቢሩ ብጽንዓት ክምክት ጻውዒቱ የቕርብ።

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ

17 ነሓሰ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7537

Posted by on Aug 18 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net