ስ.ኤ.መ.ለ. – ብርጣንያ ንኤርትራውያን ኣትለት ዘተባብዕ ንውድቀት ህግደፍ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሎንደን ኣካይዶም

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ-ብርጣንያ ኣብ መዛዘሚ ጽምብል ኦሎምፒክስ 2012 ውድድር ማራቶን ተረኺቦም ነቶም ንኤርትራ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ሰለስተ ኣትለታት ዘተባብዕ፡ ንውድቀት ህግደፍ ድማ ዝጽውዕ ጭርሖታት ሒዞም ኣብ ቀንዲ ኩርንዓት ሎንደን ብምቛም ሓያል
መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ካብ 27 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር ኦሎምፒክ ሎንደን፡ ኤርትራ 12 ኣትለትን ሓደ ሳይክሊስትን ንውድድር ሊእኻ ኔራ። እንተኾነ ኣብ መዛዘሚ ዝተገብረ ናይ 42 ኪ.ሜ. ማራቶን ውድድር ክሳተፉ ዝኸኣሉ  ያረድ ኣስመሮም፡ ዮናስ ክፍለን ሳሙኤል ጸጋይን ጥራሕ ኢዮም። ኣብቲ ውድድር ያረድ ኣስመሮም መበል 19 ክወጽእ ከሎ፡ ዮናስ ክፍለ መበል 58 ደረጃ ሒዙ ብዓወት ውድድሩ ፈጺሙ። ሳሙኤል ጸጋይ ግን ነቲ ውድድር ክዛዝም ስለዘይክኣለ ካብቲ ውድድር ተሰሪዙ።

እዞም ኤርትራውያን ኣትለት ስም ሃገርና ከጽውዕ ዝኽእል ተውህቦ ዘለዎም ንፉዓት መንእሰያት’ዮም። እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ስለዝነብሩ ጸጋታቶም ክጥቀምሉ ኣይክኣሉን። ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢ ኔርዎም። ካብ ኤርትራ ናብ ሎንደን ንውድድር ክመጽኡ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፡ ከምቶም ቀዳሞት ስፖርተኛታት ናብ ኤርትራ ምምላስ ምእንቲ ከይኣብዩ ብዋሕስ ገንዘብን ሰብን ከምዝወጽኡ ተጌሩ።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ብርጣንያ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣትለትስ ዝግበር ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ዝያዳ ንምጉላሕ’ዩ
ታቤላታቱ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለያ ካሜራታት ኦሎምፒክ ዘርጊሑ መልእኽቱ ከሕልፍ ዝተገደደ። ሰልፈኛታት ስ.ኤ.መ.ለ. ሒዞሞ ዝቖሙ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘ ጭርሖታት “ቪቫ ኤርትራ፡ ውድቀት ንህግደፍ”፡ ኣብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ናይ ተሌቪዥን ሪፖርት ክርአ ከምዝኻኣለ ይፍለጥ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7545

Posted by on Aug 18 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net