መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነቲ ብስም ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ ዝዅንን

ናይ‘ቲ ብስም ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ዴምሓኩኤ) ብዕለት 1 መስከረም 2012 ዝወጸ ኣዋጅ ትሕዝቶ ኣዝዩ ኣስደምሙና። እዚ ኣስደማምን ኣነዋርን መርገጺ‘ዚ፡ ነቲ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት እንኮላይ ዴምሓኩኤ ዝፈረሙሉ ከም ጽኑዕ ሞቖምያታት ኩሉ ዝምእዘዘሉ ሃራዊ ቻርተር ዝጻረር‘ዩ። ኤርትራዊ ፖለትካውን በርጌሳውን ተቓውሞ ሓይልታት ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ መሳርዓቶም ንምጥርናፍ ሓያሎይ ስጉምቲታት ናብ ቅኑዕ መገዲ ምጉዓዝ ኣብ ዝጀመርሉ ወቅቲ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ መርገጺ ዴምሓኩኤ ብፖለትካውን ሕጋውን መዳያት ብመንገዲ‘ቶም ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ዝተወከልሉ ክልቴኡ ሃገራዊ ጽላላት (ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን) ስሙር ሃገራዊ መርገጺ ክውሰድ ይግባእ።

ላዕለዎት መሪሕነታዊ ኣካላት ክልቴኡ ሃገራዊ ጽላላት ኣብ ልዕሊ ዴምሓኩኤ ወሳኒ ፖለቲካውን ሕጋውን መርገጺ ምውሳድ ኣድላይነት ከምዘሎዎ እናረጋገጽና፡ ዝስዕብ መብርሂ ነቕርብ፦ ቀዳማይ፦

ኣዋጅ ዴምሓኩኤ ኣብ ዑምቐት ታሪኽን ዕላማታት ሃገራዊ ምንቅስቓስን ዝወግእ፣ ኣብ ትሕቲ ሓርበኛ ጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዘልዓሎ ሰንደቕ ዝተሰዉኡ ኣሻሓት ጀጋኑ ስዉኣት ዝራኽስ፣ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ መድረኻዊ ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ ብኵራት ፖለቲካዊ ብስለት ዝፈጥሮ ካልኣዊ ፍልልያት ንምእላይ ዕቱብነት ኣብ ዘርእይሉ ዘሎዎ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ መንቓዕቲ ዝፈጥርን ስለዝኾነ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብትሪ ይኹንን።

ካልኣይ፦ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ኣርባዓታት ዝተፈላልዩ መርገጺታቱ ብዝተፈልየ፡ ስዉእ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ጸረ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝተኵሳ ፈለሚት ጥይት፡ ምእንቲ ናጽነታዊ ርትዓዊ ሃገራዊ ሕቶኡ ብስሙር ሃገራዊ መርገጺ ብኩሉ መከውንታቱ  ዝተቐበሎ ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ።

ሳልሳይ፦ ንሃገራዊ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምንሻውን፡ ብሽፍታ ምጥቕንን፡ ካብ‘ቲ ኢትዮጵያዊ መግዛእታዊ ስርዓታት ክሳብ መላእ መሬት ኤርትራ ሓራ ምውጻእ ኣብ ልዕሊ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ኩሉም ተጋደልትን ዘካይድዎ ዝነበርዎ ጸለመታት ዝፍለ ኣይኮነን።

ኣብዚ ከነረጋግጾ እንደልዮ ሓቂታት፡ ህዝቢ ኩናማ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምስ‘ቶም ኣሕዋቱ ካልኦት ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክቡር መስዋእቲ ከፍሉ‘ዩ። ኣብ ሃገራዊ ተጋድሎ ዝተሰዉኡ ጀጋኑ ሓርበኛታት ህዝቢ ኩናማ ኣብ‘ዚ መግለጺ‘ዚ ብዝርዝር ምጥቃስ ዘይከኣል‘ኳ እንተኾነ፡ ከም
ኣብነት ግን፡ ስዉእ ሸኽ ሓምድ ኬላ ኣብ ባሩንቱ ብሴፉ ዝበደሀ፡ ማልክ ኣድናን ሙሳ ሻሎንን ኣብ ዓውዲ ኵናት ብክብሪ ዝተሰወኡን ምጥቃስ ይካኣል።

ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝቢ ኩናማ ምእንቲ ርትዓዊ መሰሉ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፡ ኣነዋሪ መርገጺ ዴምሓኩኤን ፈላልዩ ክርእይ ንጽዊዕ።

 

ፈጻሚኣ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15 መስከረም 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7738

Posted by on Sep 16 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net