ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ዕለት 01-08/10/2012 ኣብ ዘሎ ግዜ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያድ ኣብ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ብመሰረት ጸዲቑ ዝነበረ ትልሚ ዕዮ ንጥፈታትን ከይዲ ስርሓት ኪዳንን ብዕምቆት ገምጊሙን ኮምኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ህልዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ተመያይጡን።

 ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት  ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ ሰሪዑ ዝረኣዮ ጉዳይ ብዛዕባ ብዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፡ ንባሕቲ መስከረም 2012 ኣመልኪቱ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡ ንኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዘናኣኣሰ ብዕምቆት መዚኑ። ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ፖለቲካውን ስርዒታውን ሓላፍነቱ ብምብጋስ ኩሎም ኣባላት ኪዳን እንኮላይ ዲምሓኩኤ ዝተሰማምዕሉ ሰነዳት ኤዲኪ፡ ነዚ ብምግሃሱ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ልዕሊ ዲምሓኩኤ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ክትግብር ግድን ኮይኑ።

 

በዚ መሰረት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣባልነት ዲምሓኩኤ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት መደምደምታ ክሳብ ዝግበረሉ ደስኪሉ ክጸንሕ ወሲኑ። ብዛዕባ ዝርዝሩ ከኣ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምብርሁ ይዝከር’ዩ። ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ብሰንኪ መሪሕነት ዲምሓኩኤ ንዝተወሰደ መርገጺ፡ መትከላዊ መርገጺ ኤዲኪ ኣብ ህዝቢ ኩናማ ጽኑዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኩናማ ከም ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ መጠን ኣካል ዝሓለፈን ዘሎን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 

ቀጺሉ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ካብ ፈጸምቲ ክፍልታቱ ዝቐረበ ስሩዕ ጸብጻባት ብዕምቆት ብምግምጋም  ከይዲ ዕዮ ስራሕ ብጽቡቕ ከምዝተሰላሰለ ብምርግጋጽ ንኣብነት ዝኣክል ኣብ ዝሓለፈ ዙር ኣወንታዊ መንጸብረቕታ ዝነበሮ ዑደት ኣውሮጳን ዳግማይ ስርርዕን ምንጥጣፍ ጨናፍርን ኤዲኪ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ዝሓለፈ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን፡ ከመይነት ምቕጻል ኤዲኪን ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝህልዎ ሽርክነትን ሕድሕድ ምትሕብባር ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዘለዎ ኣወንታዊ ግደ መዚኑ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝሓለፈ ዕዮታትን ውጽኢቱን ድሕሪ ምግምጋም መጻኢ ትልሚ ዕዮኡ ሓንጺጹን ብርክት ዝበሉ ውሳኔታ ብምምሕልላፍ ሓደ ካብኣቶም ንምጥቃስ ጠቕላላ ጉባኤ ኪዳን 2013 እተዳሉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚዙ።

 

ኣብ መዳይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብዝምልከት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተጋድሎ ብምንኣድ፡ ሃገራዊ ጉዳይና ዝገጥሞ ዘሎ ታኣፋፊ መድረኽ ማለት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት ብምስትውዓል ካብ መሰረታዊ ዕላማታትና ዘርሕቑና ነገራት ብምእላይ ንምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ምስራዕ ይግባእ።

 

ኣብ መዳይ ካልኣዊ ዝምድናታት ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት ንዝተኻየዱ ርክባት ብምምዛን፡ ኣገዳስነት ምውህሃድን ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ምስማር መርገጽታትን ኣመልኪቱ ኣብ ተነጺሮም ዘለዉ ገድላዊ መዳያት ቀጻሊ ምውህሃድ ክህሉ ኣድላይነት ከምዘለዎ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣስሚርሉ።

 

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ወጽዓን ግፍዕን ይቕጽል ምህላዉ፡ እዚ ከኣ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበነኛዊ ፖሊሲታት፡ ድርብ ምዝመዛ፡ ቅንጸላ፡ ምህማሽ፡ ምእሳር፡ ምፍንቓልን፡ ግህሰት ተራ ሰብኣዊ መሰላትን የስዕብ ከምዘሎ ብምምዛን፡ ብጻዕርታት ኩሉ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ መኽሰባት ንምብርዓን ዝህድድ ብምዃኑ ምቕጻሉ ሓደገኛ ምዃኑ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ገምጊሙ።

 

ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት፡ ፈጻሚት ቤ/ጽ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኔት ዎርክ ነጋዶ ሰብ ዘጓንፎም ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብዕምቆት መዚኑ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሰብኣዊ ክብሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምውሓስ ኩሉ ሕጋውን ፖለቲካውን ኣገባባት ከምዝኽተል ብምርግጋጽ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኩሮ ክገብርን ልዑል ሓላፍነቱ ክጻወትን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ይምሕጸን።

 

ኣብ ዞባዊ መዳይ ብዝምልከት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ብመስዋእቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተሰምዖ መሪር  ሓዘን ብምግላጽ ንቤተ-ሰቡን መላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ደጊሙ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። ንሓድሽ ቀዳማይ ሚስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ክቡር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከኣ ናይ ዮሃና መልእኽቱ የማሓላልፍ።

 

ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ብዝምልከት ኣብ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ንሓርነትን ፍትሕን ሰብኣዊ ክብርን ንምርግጋጽ ዝነዓዓብ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደጊሙ ደገፉ ይገልጽ። ፍትሓዊ መሰላት ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ውጹዓት ህዝብታት ደገፉ ይገልጽ።

 

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

08 ጥቅምቲ 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7816

Posted by on Oct 10 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net