ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን

ታሪኻዊ ግንባራዊ ሰሚናር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ተሳተፍቲ ግንባራዊ ሰሜናር ብደግሓሳኤን ምደፍኤን፡ ኣብ ናይ ትማሊ ዕለት 2 ሕዳር 2012፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 1 ሕዳር 2012 ዝተኸፍተ ዓሚቕ ገምጋማት፡ ህሉው ኩነታት ደምበ-ተቓውሞን መጻኢ ኣመታቱን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ክትዓትን ምይይጣትን ኣካይዱ፡፡ ኣብዚ ምይይጥን ክትዓትን እዚ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ድምበ-ተቓውሞና ብኩሉ መልክዓቱ ብግምጋም፡ ኣብ ክሊ እዚ ሓያልን ድኹምን ጎኒ ናይ ደምበ-ተቓውሞ፡ ነቶም ኣወንታታት ብምዕቃብ፡ ነቶም ኣሉታዊ ጎንታት ድማ ብምውጋድ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክሊ ናይ ሓድነትን ቃልስን ጥበባት፡ ኣገዳሲ ዝበሎም መስመራዊ ሕንጻጻት ኣነጺሩ፡፡

ግንባራዊ ሰሚናር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ውዕሎኡ፡ ሕሉፍ ድሕረ-ባይታን ተመኩሮን፡ ናይ ክልቲኦም ተመሓዘውቲ ውድባትና፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብሰፊሑ ገምጊሙ፡፡ ኣብዚ ገምጋማዊ ክትዓት እዚ፡ እዚ ክልተ ተመሓዘውቲ ውድባት እዚ፡ ኣብ ተመኩሮኡ፡ ከም ቀንዲ ድኽመቱ ተባሂሉ ዝተነጸረ ሓቅታት፡ ብቐንዱ ብቑዕን መስመራውን ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምህናጽ ዝነበሮም ድኽመታት ክኸውን እንከሎ፡ ንመንእሰያት ንቓልሲ ኣብ ምብርባር፡ ኣብ ምዕጣቕን፡ ምስ ኩሉ እቲ ዝገጥሞም በዓልቤታዊ ሕጽረታትን ቁጠባውን ካልእን ሕጽረታት ህልውነኦም ኣረጋጊጾም፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝዓበየ ሓድነታዊ መድረኽ ክሰጋገሩ ምኽኣሎም ዝሓየለ ጎንታቶም ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ፡፡ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ተመኩሮኦም ኣብ ዝገምገምሉ ኣጋጣሚ፡ መላእ ተሳተፍቲ ሰሜናር፡ ብፍላይ ድማ ምዑታት ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት፡ ሕሉፍ ተመኩሮም፡ ኣብ ምግምጋም ዘርኣይዎ ንቑሕ ተመኩሮን ትብዓትን፡ ብስለትን፡ መጻኢ ጉዕዞና፡ ዘተኣማምን መሰረት ኣብ ዝተነጸፎ መስመራዊ ሕንጻጻት ኣደልዲሉ ዝረገጸ ዘተኣማምን ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ከምዝኸውን ዝኣመተ እዩ ነይሩ፡፡

ግንባራዊ ሰሚናር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ኣብ ናይ ሎሚ 3 ሕዳር 2012 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ዘተኡ፡ ትረጉም ናይዚ ሕጂ ዝምስረት ግንባርን፡ መጻኢ ኣንፈቱን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብምምይያጥ፡ ሃናጺ ሓሳባት ፈሲሱን፡ መስመራቱ ዘነጽሩ ኣረኣእያታት ጨቢጡን ግንባራዊ ሰሚናር ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ፡፡

ኣሰናዳኢ ሽማግለ ግንባረዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብመሰረት ዝወጠኖም መደባት፡ ሎሚ ልክዕ ሰዓት 5፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፡ ብድሙቕ ናይ መኽፈቲ ስነ-ሰርዓት ክጅምር እዩ፡፡ ምዕባሌታቱ ድማ ከነስዕበኩም ምኳንና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

ዓወትን ድምቀትን፡ ንመስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ፡

ምደፍኤን ብደግሓሳኤን

ኣሰናዳኢ ሽማግለ ግንባራዊ ጉባኤ

ምደፍኤን ብደግሓሳኤን
3-11-2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7927

Posted by on Nov 3 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net