ዜናዊ ሓበሬታ መሰርሕ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤን ምደፍኤን፡፡

ኣብ  ቅድሚ ግንባር ካብ ዝርከቡ ተጋደልቲ ክልትኡ ውድባት፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትካብ ዝርከቡ ስቭል ኣባላት ክልትኡ ውድባት፡ ናይ ክልትኡ ውድባት ኣመራርሓን ካድራትን ዝተወከሉ ብድምር ሚእትን ዕስራን (120) ኣባላት ዘሳተፍዎ ዘለው፡  ኣቓሊቦ ብዙሓት ደለይቲ ለውጢ ሰሒቡ ዘሎ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ብ 03 ሕዳር 2012 ድ/ቀ/ ብክብ ዝበለ ስነ ሰርዓት ተኸፊቱ፡፡ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን  ብ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን
ብደግሓሳኤን ተኸፊቱ፡፡ ቀጺሉ ቃል ክልትኡ ውድባትን ዕድሜ ዝተገብረሎም ዝተፈላለዩ  መሓዙት ውድባት ኤርትራን ወኪል መንግስቲ ኢ/ያ ናይ ደገፍ ቃል  ብተኸታታሊ ኣቕሪቦም፡፡ ዕድሜ ካብ ብዛይከኣዚ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት፡  ብጉጅለ ባህሊ ናይዚ ዝወሃህድ ዘሎ ስተራትጂካዊ ግንባር፤ ድራማታት፡ ሙዚቓን ግጥሚታትን ካልእ ዝተፈላለዩ ንግንባራዊ ጉባኤ ዘድሙቑ ስነጥበባዊ ፍርያት ቀሪቡ ነይሩ፡፡

ኣሰናዳኢት ሽማግለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፤ ወከልቲ ስምረት መንእስያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን፡ ኣብ ናይ መንእስያት ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዕዋት ሓድሽ ስተራትጂካዊ ግንባር ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝተባህሉ ኣገደስቲ ኤርትራውያን ውለቀ ሰባት፡ ኣብ ሙሉእ መስርሕ ግንባራዊ ጉባኤ ንከሳተፉን፡ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ሃነጽቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንከበርክቱን ሙሉእ መሰል ስለ ዝሃበ፡ 6 ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን 2 ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ስምረት መንእስያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብቲ መስርሕ ጉባኤ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብ ውዕሎ ካልኣይ መዓልቲ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን 4 ሕዳር 2012 ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ/ ጻብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ  መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፤ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ጉባእተኛታት ብዝግባእ ብምምይያጥ ብሙሉእ ድምጺ  ኣጽድቆም፡፡ ብተወሳኺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓላፍነታ ንጉባኤ ቅድሚ ምርካባ፡ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እትርከቦም 5 (ሓሙሽተ) ዝኣባላታ ጉባኤ እትመርሕ ስክርታርያት ጉባኤ ካብ ጉባእተኛት ብቐጥታ ተመሪጻ፡፡

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደብ፤ ልክዕ ሰዓት 2፡00 ድ/ቀ/  ብ ኣሰናዳት ሽማግለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ዝቐረበ መሰረታዊ ዕላማታት ሰተራትጂካዊ ግንባርና ኣብ ትብል ንድፊ ሰነድ ርሱን ምይይጥ ተኻይዱ፡፡

ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ዘወዓለ መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን፤ ሎሚ 5 ሕዳር 2012  መሰረታዊ ዕላማታት ግንባርናን ግንባራዊ ሕጊ ህንጻን ኣብ ዝብሉ ስነዳት ምይይጥ ኣብ ምክያድ ይርከበብ፡፡

መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ፖለቲካዊ ስነዳት ብምጽዳቕ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ጉባኤ ብምሕላፍን ግንባራዊ ባይቶ ብምምራጽን ብዓወት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር፡፡

ምዕባልታት ጉባኤ ብብብግዜኡ ክነቕርበልኩም ምዃና ከንረጋግጽልኩም ንፈቱ፡፡

ስክርታርያት መስራቲ ግንባራዊ ጉባኤ ብደግሓሳኤን ምደፍኤን

05 ሕዳር 2012

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=7936

Posted by on Nov 5 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net