ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ብሑጓ ሃዲሙ

ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተ/ሚኪኤል ገራህቱ (ወዲ ገራህቱ) ኣብ ከተማ ማንቸስተር ን ሰንበት 25/11/2012 ክገብሮ ዝወጠኖ ኣኼባ ብ ብሓድነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዓባይ ማንቸስተርን ከባቢኣን ፈሺሉ።

እቲ ሰዓት 2 ድ ቐ ክጅምር ዝተወጠነ ኣኼባ ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ጸገማት ብምግማት  ስለ ዝፈረሀ ሰዓት 1 ድ ቐ ኣቢሉ እዩ ኣጸሚዩ ናብቲ ኣዳራሽ ኣትዩ። እዞም ብርክት ዝበሉ ተባዓት መንእሰያት ናብቲ ኣደራሽ ንኽኣትዉ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ፤ ዉሑዳት ወይጦታት ናይ ህግደፍ ዘብዐኛታት ኣይትኣትዉን ኢኹም ኢሎም ክኽልኩሉ ፈቲኖም ነይሮም ኣብኡ ብዝተፈጠረ ዕግርግር ክኣ ወዲ ገራህቱ ናብ ነብሱ ቅድሚ ምብጽሖም ፖሊስ ብምጽዋዕ 20 ዝኾኑ ፖሊስ ቀልጢፎም ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቲ ዕግርግር ብምህዳእ ነቲ ኣኼባ ንኸይካየድን እቲ ኣዳራሸ ክዕጸውን ወሲኖም። ነቶም ተባዓት መንእሰያት ድማ ኣብቲ ቐጽሪ ኣዳራሽ ኮይኖም ተቓዉሞኦም ከስምዑ ከምዝኽእሉ ስለ ዝተፈቐደሎም ታቤላታት ብምሓዝ ተቓዉሞኦም ኣስሚዖም።

ፖሊስ ነቶም ቁንጣሮ ወይጦታትን ኣኣብ ገዝአን እንደኸዱ ዘፈራሩሐዎን ደቂ ኣንስትዮን በብሓደ ብማዕጾ ከዉጽኡዎም ከለዉ ገሊኦም ግብሮም የሕፊሩዎም ገጾም እንዳሸፈኑ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ክስወሩ ተራእዮም (ኣብ ለምቅነ ዝወጽእ ዩትዩብ ተኸታተሉ)። ጀጋኑ ተቓለስቲ መንእሰያት ግን ነዚኣቶም ብዙሕ አቃልቦ ከይሃቡ ነቲ ወስላት ኣምባሳድር ወዲ ገራህቱ ክወጸሎም ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። እቶም ፖሊስ ከማን ኣብዚ ኮይንኩም ንሱ ክወጽእ ከሎ ተቐዉሞኹም ተስምዑ እዮም ዝብሉ ነይሮም። እቲ ዝገርም ግን እቲ ካብ ጊዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ብ ምህዳም ዝፍለጥ ኣምባሳድር ውዲ ገራህቱ ብዘይተጸበናዮ ብድሕሪት ናይ ጓሓፍ መውጺኢ ማዕጾ ተሓቢኡ ብምህዳም ካብቲ ናይ ተቛዉሞ ማዕበል ንስክላ ኣምሊጡ’ሎ። ብተግባራቱ ድማ ኩሉም መንእሰያት ጥራይ ዘይኮኑስ ነቶም ፖሊስ ከማን እዩ ኣስደሚሙዎም።

እዚ ፍሽለት ናይ ሕግደፍ ድማ ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መጨረሽታ ከምዘይኮነን ነቲ ህግደፍ ንወርሒ ታሕሳስ መዲቡዎ ዘሎ ናይ ዕብዳንን ዳንኬራን ዙረት ኣብ ከተማ ማንቸስተር ን ካልእ ዝኾነ መደባቶምን ካብዚ ዝኸፍእ ፍሽለት ከምዘጋጥሞም ን ዓባይ ማንቸስተር ድማ ዓማጽን ተዓማጽን ብሓደ ኮይኖም ዝነብሩላ ከተማ ከምዘይኰነት በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።

ዓወት ን ፍትሕን ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና!

ሓድነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዓባይ ማንቸስተርን ከባቢኣን (UEYDC-GM)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8054

Posted by on Nov 28 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net