መጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ትእዛዝ ኢሳያስ ነጺጉ፦

ካብ’ቶም ቀንዲ ኢደቤዛ ዲክታቶር ኢሳያስ ኮይኑ ብደም ንጹሃት ኢደ ዝጨቀወ መጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ዝዕጠቆም ሚሊሽያ 28 ዐዕጥቆም ሒዞም ከም ተሰውሩ ካብ’ቲ ከባቢ ምንጪ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓብሩ። እዚ ሓበረታ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕንነት ናብ ኢሳያስ ምስ በጸሐ፡ ኢሳያስ ነቶም ምስ ዕጥቆም ንዝተሰወሩ ኣባላት ሚሊሽያ፡ ተኽለ ማንጆስ ደልዩ ክረኽቦምን ኣብ ማእከል ከተማ ከረን (ጂራ ፍዩሪ) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክርሸኖምን ንዝተመሓላለፈሉ ትእዛዝ ክቕበሎ ሰዘይደለየ ብጽሑፍ ክለኣኸሉ ሓተተ። ኢስያስ ድማ ትእዛዛ ፕሪሲደንት ካብ መዓስከ ብጽሑፍ ክለኣኸልካ ጸነሑ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ትፍጽሞ ዝነበርካ ትፍጽሞ ምስ በሎ፡ ተኽለ ማንጆስ ክንደይ ዕጥቂ ዘይዓደልናን ክንደይከ ዘይሃደሙን ብምባል ነቲ ትእዛዝ ነጺጉ ናብ ኣስመራ ከም ተመልስ፡ እቲ ምንጪ ኣረጋግጹ።

ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ሰራዊት ብዛዕባ ወሰኽ ደሞዝን፡ መነባብሮ ሰራዊት ምምሕያሽን ዝለዓሉ ዘሎዉ ሕቶታት፡ መኮነናት ብትዕግስቲ ክሰምዕዎን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣጽፊፎም ከቕርብዎን ዝሕብር ምኽሪ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ዝወረደ፡ እቲ ምንጪ ወሲኹ ከም ገሊጹ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ትእዛዛት ኢስያስ ዝነጽጉ መኮነናት ፍቕዶም ይዛይድን ኣብ ከተማ ኣስመራ ይንቀሳቐሱን ምህላዎምን፡ ኣቶ ኣልእሚን መሓመድ ሳዒድ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ብኢሳያስ ዝቐረበሉ መደብ ስራሕ መንግስቲ ብኩነታት ጥዕናኡ ኣመኻንዩ ከም ዘይተቐበሎን፡ መንግስቲ ንሕቶታት ሰራዊት ኣወንታዊ ምላሽ ክህበሉ ከም ዝመዓደን፡ ብዙሓት እሙናት ኢሳያስ ዝነበሩ ይገድፍዎን ይደፍርዎን ምህላዎም፡ ካብ ኣስመራ ዝተፈላልዩ ምንጭታት ይሕብሩ ኣሎዉ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

27 ታሕሳስ 2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8190

Posted by on Dec 28 2012 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net