ዕዉት ኣኼባ ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ

ብዕለት 24 ሰነ 2014 ብብጻይ ገዛኢ ኪዳነ፡ ኣባል ፈጻሚት ኣካልን ሓላፊ ወትሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ግ.ሃ.ድ.ኤ ዝምራሕን ኣባላት መሪሕነትን ካድራትን ውድብን ዝሓዘለን ልኡኽ ውድብ ኣብ ከተማ ማይ ጸብሪ ብምብጻሕ፡ ምስ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ኣባላት ዕጡቕ ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝነበሩ’ሞ ኣብቲ ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ዘይቅሱን ምሕደራ ብምቅዋም ኣብ maiZebri_Meetingመደበር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝኣተዉ ተጋደልቲ ዕዉት ኣኸባ ተኻይዱ ካብ’ቲ ቦት ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

መንቀሊ ናይ እዚ ኣብ ውድብና ኣጋጢሙ ዝነበረ ቅልውላው ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ መሪሕነት ውድብ ነቲ ጸገም ንምእላይ ዝተፈላለየ ምዕዶን ምኽርን ይለግስ እምበር፡ እዚ ሕጂ ካብ ውድብና ተፈንጭሉ ዘሎ ጉጅለ ግን ካብ ውሽጣዊ ኣስራርሓን ሕጊ ውድብን ውጺኡ ንፖለቲካዊ ህላውና ውድብ ክድውን ጸኒሑ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ብምጽዋዕ፡ እዚ ኣኼባ’ዚ ካብ ዕለት 11-14 ግንቦት 2014 ብምካይድ ቀጻልነትን ድሕነትን ሓድነትን ውድብ ከረጋግጽ ክኢሉ ኢዩ ክብል ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ሰፊሕ ኣቕሪቡ። ብጻይ ዕዘዲን ኣልእሚን ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣባል ምምሕዳር ወትሃደራዊ ጸጥታውን ቤት ጽሕፈትን፡ እቲ ብጸላእትና ተሰሪሑ ኣብ ልዕሊ ውድብና ኣንጸላልዩ ዝነበረ ናይ ምብትታን ሓደጋ ብተባዕን ውፉይን ኣገባብ ሕጋዊ መሪሕነት ውድብ ክፈሽል ክኢሉ ኢዩ። ሕጂ ግን ንዝሓለፉ ድኸመታትና ኣሪምና ብሓባር ከም ቀደምና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ቃል ውድብና ኣብ ምትግባር ክንቃለስ ኣሎና ክብል ሰፊሕ መድረ ኣስሚዑ።

maiZebri_Meeting0ኣኼብኛታት ብወገኖም ንውድቦም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጸሊኦም ዘይኮነስ ነቲ ዝነበረ ዘይብሱል ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ብምቅዋም ኣብ መደበር ስደተኛታት ተዓቚቦም ከም ዝጸንሑን ሕጂ ግን መሪሕነት ውድብ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብምጽዋዕ ነቲ ዝነበረ ጸገማት ኣልዩ ውድብ ብምድሓኑን ቀጻልነት ውድብና ብምርግጋጹን ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ህጹጽ ኣኸባ ባይቶ ምስ ረአና ናይ ብሓቂ ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዕና፣ ክሳብ ሎሚ ናትኩም ምምጻእ ኢና ክንጽበ ጸኒሕና፡ ሕጂ ግን ብወገና ሕድሪ ብጾትና ንምትግባር ኣብ ቅድመ ግንባር ክንስለፍ ድልዋት ኢና ክብሉ ኣብ ቃልሲ ዘሎውም ድሉውነት ኣረጋጊጾም ኣሎዉ ክብል እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ንጽባሒቱ ዕለት 25 ሰነ 2014 ድማ ኣብ ዕለት 24 ዝተኻይደ ኣኼባ ብስራሕ ኮነ ሓበሬታ ብዘይምርካብ ምክኒያት ዘይተሳተፉ ክሳብ 20 ዝበጽሑ ተጋደልቲ ኣብ ዕለት 25 ኣኸባ ቀጺሉ ውዒሉ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ ተመሳሰሊ መግለጽን ተማሳሰሊ ርእይቶን ቀሪቡ፡ ኣብዚ እውን እቶም ተጋደልቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ሓደራ ብጾቶም ክዉን ንምግባር ቅሩባት ማዃኖም ኣረጋጊጾም ኣሎዉ ክብል ካብ ካብ ከተማ ማይ ጸብሪ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ

29 ሰነ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8667

Posted by on Jun 30 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net