ዕድመ ንሰሚናር ካስል

ካብ ዕለት 29-31/08/2014

ensf Mauerstrasse 15

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ንምኽባር ንታሪኻዊ አበርክቶታት ፈስቲቫል ካስል ብዘንጸባርቕ ፡ ዲሞክራውያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ – ጨንፈር ጀርመን ብምውህሃድ ምስ ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ ዕለት 29-31/08/2014 ኣብ ከተማ ካስል ብመሪሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዝምእከል ኣገዳሲ ሰሚናር ኣዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ጉዱስ ሃገራዊ ኣብ’ዚ ተዳሊዩ ዘሎ ሰሚናር ንክሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም።

መደባት ሰሚናር ካስል ከም’ዚ ዝስዕብ ክኸውን ኢዩ።

  • ዓርቢ ዕለት 29 ነሓሰ አባላት ውድብ ንሕሉፍ ተመክሮ ውድብና ብምግምጋም፡ ተወጢኖም ዘለዉ ናይ  ስራሕ መደባት ብዕትቡነት  ብኸመይ ንግጠሞ ዝብል ዓሚቝ ዘተ ምክያድ።
  • ቀዳም ዕለት 30 ነሓሰ ካብ ሰዓት 14.00 ድሕሪ ቐትሪ ፡ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታት ዘሳተፈ ኩነታት ሃገርናን  አተሃላልዋን ተቓውሞ ደንበ ኤርትራ ንምምዛን ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ክካየድ ምዃኑ ንሕብር።   መግለጺ ውድብ ድሕሪ ምቕራብ፡ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን  ብምኽፋት ዓሚቕ ናይ ዘተ ማአዲ ክህልወና እዩ።
  • ቀዳም ምሸት ድሕሪ ’ቲ ናይ ሰሚናር ግዜ   ብወናማት ሓርበኛታት ዝተሰነየ  ባህላዊ ምርኢት ክህሉ ምዃኑ ድማ ነበስር።
  • ሰንበት ዕለት 31 ነሓሰ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ውዕሉ ጽማቕ ክቐርብ ኢዩ።

አድራሻ ናይ ስሚናር      Mauerstrasse 15

                       34117 Kassel

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !

ብድሓን ምጹ !

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰሚናር ካስል

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8759

Posted by on Aug 15 2014 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net