ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ 2015


ፈረጀት: መልበርን (ኣውስትራልያ)

ኣብ መልበረን ኣውስትራልያ ንክልተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ህግደፍ ተኻይዱ። እዚ ብተቓወምቲ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ዓመት መጸ ብህግደፍ ዝዳሎ ብስም ፈስቲቫል ዝጽዋዕ ፕሮፓጋንዳዊ ዳንኪራ ብምቅዋም፡ ነቲ ድምጹ ተዓቢሱ ኣብ ስቓይን ዓመጽን ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድምጹ ብዓውታ ንምስማዕ ዝዓለመ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።

እዚ ንመበል 12 ዓመት ካብ ኣጋምሸት ሰዓት 6፡00 ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ንኽልተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብመጉልሕ ድምጺ፡ ዓበይቲ ተንቀሳቐስቲ መብራህትታት (ፓውዛ) ጭሮሖታት፡ ድርፍታት ዝተሰነየ ኮይኑ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ’ቲ ብህግደፍ ዝዳሎ ዉራይ ዝካየድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዉራይ ህግደፍ ኣናጸመወ ስለዝመጸ ኣብ 2014 (ዝሓለፈ ዓመት) ኣቛሪጸሞ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ህዝቢ ይስዕበና’ሎ ንዝብል ፕሮፓጋንዳ ቲቢ ኤረ (ቲቪ ኤረ) ዓቢ ሃጓፍ ስለዝፈጠረ፡ ንኸይተርፍ ብህግድፍ ጥብቂ ትእዛዝ ስለዝተመሓላለፈ ብሃታሃታ ዝገበርዎ ምዃኑ ዝበጻሓና ሓብሬታ የረጋግጽ።

ህግደፍ ሓበሬታት ዓጽዮም ብጸቢብ ነቶም ዝእምንዎም ኣባላት ጥራሕ ብምሕባር ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ዩ ተሰሚዑ። ይኹን እምበር ሰለፈኛታት ኣብ ሓጺር ግዜ ምድላዋቶም ገይሮም ነቲ ንእዋርሕ ምድላው ዝተገብረሉ ዳንኬራ ህግደፍ ዕርቃኑ ከምዝውጽእ ገይሮም እዮም። ሰለፈኛታት ነቲ ከቢድ ዝናብን ንፋስን ዝነብሮ ኣየር መልበርን ተጻውሮም ተልእኾኦም ከመሓላልፉ ምኽእሎም በዚ ኣጋጣሚ  ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን።

 

ምሉእ ሓብሬታ ንኽህልወኩም ዝተሰነደ ተንቀሳቃስን ደርቕን ስእልታት 2015 ተቀሪብልኩም ኣሎ።

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9265

Posted by on Jan 12 2015 Filed under News, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net