መደብ ክተት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምፍሻል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከተማ ኣስመራ ጽሑፋት ተዘርጊሖም

ensf baner
ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጽዑቕ ናይ ክተት ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከብ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ክፍልታት ህዝብና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ብኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ካብ ዕለት 08/01 ክሳብ ዕለት 11/01/2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ 8 ቦታታት ከተማ ኣስመራ ዕላማታት ወፍሪ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምብርዓንን፡ ህዝብና ክነጽጎ ዝጽውዕን ከምኡ’ውን ብሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታትን ዕዉት ውጽኢት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሕብርን ጽሑፍ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ። ካብ’ቶም ዝተዘርጋሕሎም ቦታታት፡ ከባቢ ገጀረት፣ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ-ጋብር፣ ከባቢ ሆስፒታል ሓሊበት፣ ከባቢ መስጊድ ጃምዕ፣ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳ ማርያምን፣ ካልኦት ዓበይቲ ጎደናታትን ከም ዝርከብዎም ተረጋጊጹ። ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ከም ሃንደበታዊ ዝናብ ዝተፈጸመ ዝርገሐ ጽሑፋት ከም ዘሰንበዶምን፡ ክቆጻጸርዎ ከም ዘይካኣሉን ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

በዝን ብካልእ ንዕኡ ዝኣመስለ ምኽንያታትን፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሰለስተ ኑቕጣታት ብዕለት 12/01/2015 ዝጸወዖ ናይ ክተት ኣኼባታት ኣዚዩም ውሑዳት ተሳተፍቲ ስለ ዝተረኽቡ ዕማማቱ ከይፈጸመ ብፍሽለት ከም ዝተደምደመ ህዝቢ ዝመስከሮ ተረክቦ ምንባሩ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

“ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
13/01/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9272

Posted by on Jan 13 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net