ደምዳሚ መግለጺ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ

 

 ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዕለት 26–ሓምሌ 2010ዓ.ም 2ይ ህዝባዊ ኮንፈረንሱ አብ ከተማ ሰመራ ክልል ዓፋር ኢትዮጰያ አቃኒዑ፡፡ እቲ  መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ውሕስነት መሰላቱን መሰላት ካልኦት ብሄራት ኢዩ አብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ንኽልተ መዓልታት ዝጸነሔ ኮይኑ፡ ዓብይቲ ዛዕባታት አልዒሉ ብዕምቆት ዘትይሉ፡ አብቲ ኮንፈረንስ ካብ መዓሰከራት ሰድተኛታት አሳዒታን በራሕለን ዳሎለን ዝመጹ ሰደተኛታትን ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን ከምእውን ካብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ማለት ካብ ሰሜን አሜሪካ፤ አውሮፓ፤ ማእከላይ ምብራቕን፤ ካብ የመንን ጁቡትን ከምእ›ውን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝመጹ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ወከልቲ ብሄራት ኤርትራን ዝተረኸብዎ ሰፊሕ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኢዩ፡፡ አብቲ ውዕዉዕ ኮንፈረንስ ካብ ካናዳ ዝመጹ ሙሁራን ሚ/ር ዋረን ከሪኤትስ ሓላፊ CANGOAFARን ናይ ሕጊ ምሁር ዝኾነን አማኻሪ መንግስቲ ካናዳ ፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግኔት ተረኺቦም ብዛዕባ ምምሕዳር ፈደራሊዝም መጽናዕታዊ ጹሑፋት አቕሪቦም፡ አብቲ ዘቕረብዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እቲ እንኮ አማራጺ ንድሕነት ኤርትራ ሰርዓት ፈደራሊዝም ምስ ትኽተል ጥራይ ኢዩ ድሕሪ ምባል ብሄራት ኤርትራ አብ ሓደ መአዲ ኮፍ ኢለን ተመያዪጠን ነዚ መደብ እዚ ተግባራዊ ክገብረኦ ዝኽእላ ኢሉ፡ አስዒቡ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ዝወርድ ዘሎ አደራዕ ናይ ዘርኢ ምጽናት ፖሊሲ ምኻኑ ድሕሪ ምሕባር አብ ኤርትራ ብቑልጡፍ ለውጢ ክመጽእ ተላብዩ፡፡ ብኻልእ ወገን ህዝቢ አብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ጭፍጨፋን ጭቖናን አብቲ ኮንፈረንስ ብዝርዝር ከዘንትዉ ከሎ፡ እቲ እንኮ አማራጺ ዲ.ው.ዓ.ቀ.ባሕሪ ሒዝዎ ዘሎ ዕላም ናብ መዕለቢኡ ምብጻሕ ጥራይ ኢዩ ኢሎም ከስምርሉ ከለው፡ ህዝቢ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ኹሉ ከተግብር ቁሩባት ምኻኖም አብቲ አጋጣሚ ገሊጾም፡፡ አብዚ አብ ካልኣይ መዓልቲ ዝቐጸለ ህዝቢ ካብ ሰመራ ክሳብ ሎግያ አብ ዘሎ ቦታታት ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ አካይዱ አብቲ ሰልፊ ንስርዓት ህግደፍ ዝኹንን ጭርሖታትን መግለጺታትን ንኽልተ ሰዓት ዝአክል ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ አካይዱ፡ አብዚ ሰለማዊ ሰልፊ›ዚ ወከልቲ ብሄራት ኤርትራ ተሳቲፎም ናይ ደገፍ መርገጺታቶም አብ መደረኦም አስሚዖም፡ አብ ጎኒ እዚ ተባዕ ህዝቢ ኾይኖም መሰላት ህዝቦም ከረጋግጹ ምኻኖም አብቲ አጋጣሚ ገሊጾም፡፡ ድሕሪ እቲ ኮንፈረንስ ነዞም ዝስዕቡ ወሳኔታትን ለበዋታትን ብምሕላፍ እቲ ኮንፈረንስ ተዛዚሙ፡-

 

 

1.መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ሕጋዊ መሰላት ምኻኑ ነዚ መሰል እዚ ማሕበረ-ሰብ ክድግፈሎም ጸዊዑ፡፡

2.አብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጭቖና ክውገዝ ጸዊዑ፡፡

3.አብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ክረጋገጽ ዝኽእል ህዝብታት ናይ ባዕላቶም ዕድል ባዕላቶም ምስ ዝውስኑ ጥራይ ኮይኑ ብብሄር መልክዕ ዝተመሰረተ ስርዓተ ፈደራሊዝም ምስ ዝምስረት ይኸውን ፡፡

4.እቲ ብዕለት 30ሓምሌ ዝጅምር ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ሕቶ ብሄር መልሲ ምስ ዝረክብ ጥራይ ኢዩ፡፡

5.ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ጎረባብቲ ሃገራትን ብስርዓት ህግደፍ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንምንጋፍ አብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ክተሓጋገዙ ተላብዩ፡፡

6.ዘይሕጋዊ ሰፈራ ኮኒኑን መሬት ናብ ዋናታቱ ክምለስ ተላቢዩ ፡፡

 

 

27ሓምሌ 2010ዓ.ም

ህዝባዊ ኮንፈረንስ ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=995

Posted by on Jul 31 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net