ቃል መሪር ሓዘን

ገዲም ተጋዳላይ ዓብደላ ኦና መሓመድ ኢብራሂም (ብዓብደላ ሹም ዝፍለጥ)፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም፣ ካብ መደበር ስደተኛታት ኡም ገርጉር መጺኡ ኣብ ከተማ ካርቱም ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብዓርቢ ዕለት 17 ለካቲቲ 2017 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።  

 

ተጋዳላይ ዓብደላ ሹም፣ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ እትርከብ “ሳርውስ” እተባህለት ዓዲ ብ1949 ተወሊዱ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ከኣ ብ1966፣ ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍጻም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ካብ’ቲ ዕለት’ቲ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለት መውጋእቱ ኣብ 1978 ብጅግንነትን ብተወፋይነትን ኣብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ልሉይ ተራ ዘበርከተን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣  ሓደ ካብ’ቶም ፍሉጣት መራሕቲ ጋንታታት ዝነበረ ሓርበኛ ምንባሩ’ውን  ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

 

ስዉእ ዓብደላ ሹም፣ ኣብ  ሰማንያታት ናብ ሱዳን ኣቲዩ፣ ድሒሩ’ውን ንሓጺር ግዜ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተቐሚጡ። ናይ ጥዕና ጸገምን፣ ጽንኩር ኩነታት መነባብሮን ከይ ዓንቀፉ፣ ኣብ ክሊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኮይኑ ሃገራውን ሰውራውን እጃሙ ካብ ምብርካት ዓዲ ኣይወዓለን።

 

ዓብደላ ሹም ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ወትሩ ምስ ሓሰበን፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ መስርሕ ቃልሲ ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታትናን ብተጋዳስነት ካብ’ቶም ዝከታተል ዝነበረ ሓርበኛ ኢዩ።

 

ልዑል ፈጣሪ ንብጻይና ዓብደላ ሹም ኣብቲ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበሎ፣ ንክቡራት ስድራ ቤቱን ብጾትን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃበና !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

23 ለካቲት 2017

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10645

Posted by on Feb 23 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net