‘’ዳስ ሓሙስ’’ ዝተባህለ ፖሮጀክት ኣባይቲ ህግደፍ ገንዘብ ንምድላብ ዝጥቀመሉ ውጥን ኢዩ !!

ስርዓት ህግደፍ፣ መብዛሕቲኦም ደገፍቱ ንዝኾኑን፣ 2% ንዘማልኡን፣ ኣብ ወጻኢ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን፣ ብትካላቱ ገይሩ፣ ኣብ መንጎ ማይ ጭሆትን ቀሓውታን ዝርከብ ሰፈር፣ ኣባይቲ ክሰርሓሎም ኢየ ብዝብል፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዘበገሱ ብ“ዳስ ሓሙስ” ዝፍለጥ ፕሮጀክት ኣብ 2015 ክውዳእ ተባሂሉ’ኳ እንተ ነበረ፣ ገንዘቡ ተኸፊሉ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ተወዲኡ ዘይምህላዉ ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት ኣንቢሩ ኣሎ ክብሉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብስእሊታት ኣሰኒዮም ኣብ ዝሰደድዎ ጸብጻብ ኣፍሊጦም።

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረት ዝተኸተመ ኩንቱራት፣ ነቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ ምርካብ ቊጸራ ኣብ ክንዲ ምኽባር፣እቲ ገዛውቲ ከይተወደአ፣ ገንዘብ ኣብ ዝደለየሉ፣ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናቕረበ፣ ብተደጋጋሚ ገንዘብ ክኸፍሉ ይሓቶም ምህላዉ ተፈሊጡ። መብዛሕቲኦም ደገፍቲ ናይ’ቲ ስርዓት’ኳ እንተኾኑ፣ ክሳብ ሕጂ፣ ጉዳዮም ሰለ ዘይተወዳኣሎም፣ የዕዘምዝሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልን ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ጹቡቕ ገይሩ ዝፈልጥን፣ ህዝቢ ኣስመራ ከኣ፣ እቲ ስርዓት ይጻወተሎም ምህላዉ ክሳብ ሕጂ ብዘይምፍላጦም፣ ክሕጭጨሎም ይስማዕ ኣሎ። ካብ’ቲ ሕብረተሰብ ከኣ ዳርጋ ተነጺሎም ኣለዉ ክብል እቲ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምስ ስርዓት ህግደፍ ጥቡቕ ዝምድና ኣሎና ካብ ዝብል ስምዒት፣ ሓለፋ ይስመዖም ዝነበሩ፣ በዚ ዘጋጠሞም ቀጻሊ ምዝመዛን፣ እቲ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣባይትን ጌና ብዘይምውድኡ፣ ስነ-ኣእሙራዊ ጭንቀት ኣስዒብሎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ብፕሮጀክት “ዳስ ሓሙስ” ኣቢሉ፣ ስርዓት ህግደፍ ነዞም ደገፍቱ ከም ጅሆ ሒዙ፣ ገንዘብ ከድልዮ ከሎ፣ ክፈሉ እናበለ ይምዝምዞም ምህላዉ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ግዳይ ናይ’ዚ ገባቲ ምሕደራ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ዜጋታት ከኣ፣ ኣይ ምድጋፍ ኣይ ኣይምቅዋም ላንጋ-ላንጋ ኮይኖም ምህላዎም ኩነታቶም ብቐረባ ዝከታተሉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

22/02/2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10642

Posted by on Feb 23 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net