መበል 3ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒ ኣሕመድ መ. ናስር

ሃገራዊ ዕላማታትና ብምሉኡ ንምዕዋት ክንቃለስ፣ ሕድሪ ኣሎና፣

 

 

 

 

 

 

 

 

ካም’ዛ ሎሚ ዕለት 26 መጋቢት 2017፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፣ ዓቢ ኣብነታዊ ሃገራዊ መራሒ ሓርበኛ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፣ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ነዊሕን ውፉይን ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፣ ብመሳዋእቲ ካብዛ ዓለም ተፈሊዩና። ሓርበኛ ስዉእ ኣሕመድ ናስር ብልቦኑኡን መሪሕነታዊ ተመክሩኡን ሓደ ካብ’ቶም ጽኑዓት ኣዕኑድ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝብና ብምንባሩ፣ ሃንደበታዊ መስዋእቱ  ንኩሉ ሃገራዊ ሓይሊ ዘሰንበደ መሪር ተረኽቦ ነበረ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘመስከሮ ሃገራዊ ተራ፣ ሰፊሕ ኣካል ካብ ህዝብና “ናይ ሃገራዊ ሓድነት ባእታ” ኢሉ ከም ዝዝከሮ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክጥቀስ ተሰሚዑ ኢዩ።

 

ኣብዚ ህልዊ መድረኽ፣ ኣርሒቖም ዝጥምቱን፣ ብሩህ ሃገራዊ ሰነ-ሓሳብ ዝውንኑን፣ ነጻ ሃገራዊ ውሳነ ብምዕቋብ፣ ንሃገርናን ንህዝብናን ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል መደባት ናይ ደገ ሓይልታት ዝብድህ ዓቕምን ድልየትን ዘለዎምን፣ ነቲ ብዝተፈላለየ ተጻብኦታት፣ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ናይ ርብዒ ዘመን ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ንሓደጋ ተሳጢሑ ዘሎ፣ ብቃልሲ ህዝብና ዝተረጋገጸ ሃገራዊ መኽሰባት፣ ንምክልኻል ዝበቕዑን ፖለቲካውያን መራሕቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ የድሊዮ ኣሎ። ሓርበኛ ኣሕመድ ናስር ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ናይ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ መራሕቲ ይስራዕ ብምንባሮ፣ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምምራሕ ዓቢ ግደ ክህልዎ ትጽቢት ህዝብና ምንባሩ ዘማትእ ኣይኮነን።

 

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ግን፣ ኣብዚ ንሓልፎ ዘሎና ወሳኒ መድረኽ፣ ከም ኣሕመድ ናስር ዝበለ ኣብነታዊ መራሒ ክፍለየና፣ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ቃልስና ዓቢ ሃጓፍ ፈጢሩ ምህላዉ ርዱእ ኢዩ። እንተኾነ ግን ሰራሕ ቅያ ዝኾነ ህዝብና፣ ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእል ልሉያት መራሕትን ተቓለስትን ዝወለደ፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ ካብዚ ኣቲይዎ ዘሎ ደልሃመት ክገላገልን፣ ስዉእ ኣሕመድ ናስርን ኩሎም ጀጋኑ ስዋኣትና ዘማዕድውዋ ዝነበሩ ግስጋሰን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ክውን ክገብር ምሉእ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ነቕ ዘይብል እምነት ኣሎና።

 

ንሕና ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ነቲ ሓርበኛ መራሒና ኣብ ምህናጹ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሰረታት ጸኒዕና ብምሓዝ፣ ቃልስና ብዘሓየለ ኣገባብ ክንቅጽሎ ምዃንና ቃልና ነሐድስ። ንገባትን ባሕትን ጉጅለ ህግደፍ ንምስዓር፣ ካብ ጉጅለኣውን ውልቃውን ጸቢብ ጠቕምታት ርሒቑ፣ ጠርናፊ ሃገራዊ መትከላት ኣትሪሩ ብምሓዝ፣ ንዋታውን ፍናናውን ሃገራዊ ዓቕመታት ብሓባር ብምጽማድ፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተሰሊፉ ግቡኡ ክገብር በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጻዊዕትና ነቕርብ።

 

ሓርበኛ መራሒና ኣሕመድ መሓመድ ናስር ንህዝቡን ሃገሩን ብዝገበሮ ልዑል ኣስተዋጽኦ ንዘልኣለም ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ።

 

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና !!

ህዝቢ ኤርትራ ነጻ ኮይኑ ይንበር !!

 

 

 

 

\

 

 

 

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26 መጋቢት 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10681

Posted by on Mar 29 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net