ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ህዝቢ አብ ከተማ ኮሎን/ሃገር ጀርመን

መግለጺ ሓው የማነ ተክለገርጊሽ

ገዲም ተጋዳላይን ደራሲተመክሮይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፡ ሳሕል ወፊርና  እነታይ ኣምጺእና

ቀዳም፣ ዕለት 16 መስከረም 2017

ሓው የማነ አብ መኽፈቲ ኣኼባ፣ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ – ባሕቲ መስከረም – ከም ኣጋጣሚ ብምውሳድ ነዚ ንመበል 56 ዓመቱ ዝኸብር ዘሎ ክቡር መዓልቲ ከም መበገሲ’ን መንጠሪ’ን ዘረብኡ ተጠቒሙ ብነዊሕ አብ ኣሳግድ ሰውራ ኤርትራ ብምጥላቕ ታሪኻዊ መግለጺ ሂቡ።

ብዓንተብኡ ተጋደልቲ አብ ህዝባዊ ግንባር/ሓይልታት ንባዕዳዊ ጸላኢ ምቅላስ ጥራይ አይነበረን ሰሃሮኦም፣ እኳድኣ እቲ አብ ውሽጢ’ቲ ውድብ እናደየበ ዝምጽእ ዝነበረ ሕልኽልኻትን መጭወይትን ዝኸፍአ ጸቕጢ ይገብረሎም ምንባሩ ካብ መግለጺ ሓው የማነ  በሪሁ። በቲ ሓደ ሸነኽ ውድብ ብዝገብሮ ዝነበረ ታህዲድን ፕረፖጋንዳን በቲ ካልእ ድማ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ውሽጣዊ ዘይምትእምማን ንብዙሓት አብ ውግእ ጠኒንካ አቲኻ  ንመስዋእቲ ምስጣሕ ከም መስተርሆ ይውሰድ ምንባሩ ነቲ ዘጋጥም ዚነበረ ናይ ሜዳ ስነ-ኣእምሮ ካብቲ መግለጺ ብኸፊል ይንጻባረቕ ነይሩ።

ውድብ አብ ውሽጢ ውድብ፣ ጸጥታ አብ ልዕሊ ካልእ ጸጥታ ሰሪዑ ንሓድሕዶም ከም ዘይታኣማመኑ ዚገበረ መሪሕነት… ከይዱ ከይዱ ኩሉ አብ ትሕቲ ምልክን አብ ምቕጽጻር ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ን ከም ዚወድቕ ዘማላኽቱ ኣሰራት እቲ ውድብ ክውለድ ከሎ ኣትሒዙ ይቀላቐል ነይሩ’ዩ።

እዚ ዚኸደ መግለጺ ብሰዓቢ ሕቶታትን መልሲታትን ተሰንዩ ዘተ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ጸኒሑ ካብዚ ተሳተፍቲ ምስ ኣቕራቢ ዘተ (ምስ ሓው የማነ) ተመሳጊኖም ነናብ ዚመጽሉ ተፋንዮም።

Cologne, 24 September 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10844

Posted by on Sep 26 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net