ዜናታት ካብ ኤርትራ

 

  • ክልተ ዓበይቲ መካይን ሰራዊት ተቓጺለን።

 

ስርዓት ህግደፍ ብውሽጣዊ ቅልውላው ይሳቐ ምህላዉ እሙናት ምንጭታትና ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሰራዊት፣ ብቐጻሊ ዝርአ ዘሎ  ግርጭታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ’ቶም፣ ኣብ ጽፍሕታት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም መኮንናት ሰራዊት፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ፣ ካብ ውሽጢ ምምሕዳር ሰራዊት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ነቲ ሰራዊት ራሕሪሖም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃድሙ፣ ካብ ተራ ኣባላት ሰራዊትን ጀሚርካ ክሳብ ዝተፈላለየ መዓርግ ዘለዎም ሓለፍቲ፣ እናደየበ ይኸይድ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኢዩ።  እዚ ኩሉ ተርእዮታት ድማ ኣብ ስራዊት ዓቢ ድኽመታት የስዕብ ምህላዉ ብቐረባ ዝከታተሎ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣፍሊጦም። ነዚ ዘረጋግጽ ድማ፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣብ ዞባ ጋሽ፣ ከባቢ መጎሎ፣ ናይ ሰራዊት ክልተ ዓበይቲ መካይን ከም ዝተቐጸላን፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት’ውን ገለ መቚሰልቲ ኣስዒቡ ምህላዉን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እዚ ተረኽቦ’ዚ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዓቢ ሳቑለት ፈጢሩ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ። ምንጭታትና ከም ዘረጋገጾ፣ እቲ ዝተፈጸመ ስርሒት ካብ ከባቢ ዕደና ቢሻ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ፣ ንሻቑለት ጉጀለ ህግደፍን መሻርኽቱ ናይ ወጻኢ ኮባንያታትን ኣብ ኣዚዩ ዓሚቚ ከም ዝኸውን ገይርዎ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

 

  • ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደብዳብ ኣካይዱ።

 

ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ መደበራት ጂቡታውያን ተቓወምቲ ከም ዝደብደበ ካብ ዶባ ኤርትራን ጂቡትን  ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። እዚ ደብዳብ’ዚ ብዕለት 19/09/2017 ዝተኻየደ ኮይኑ፣ መደበራት ተቓወምቲ ሓይልታት ጂቡቲ ኣብ “ሲድሮ” ከምኡ’ውን “ደዳዕኖ” ዝተባህለ ኣብ ምምሕዳር “ራሓይታ” ዝርከብ ቦታታት ምንባሩ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ከም ውጽኢት ናይዚ ደብዳብ’ዚ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ስዒቡ ምህላዉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ጂቡቲ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ነቒሎም ኣብ ጂቡቱ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ 3 ኣባላት ሰራዊት ጂቡቲ ከም ዝማረኹ እቲ ዝበጻሓና ዜና ኣፍሊጡ።

 

ኣብ 2008 ኣብ መንጎ  ኤርትራን ጂቡቲን ዝተባረዐ ናይ ዶብ ግጭት፣ ብመንጎኝነት ናይ መንግስቲ ቐጠር ኣብ 2010 ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምኽታም፣ ሓይልታት ቐጠር ከም ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዓሪዶም ከም ዝጸንሑ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ (7/2017) ፣ መንግስቲ ቐጠር፣ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዝሓርፈፈ፣ ሓይልታቱ ክስሕብ ከም ዝወሰነ መዓከናት ዜና ዓለም ብሰፊሑ ኣቃሊሕዎ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኢዩ። ድሕሪ’ዚ ሓዲሽ ምዕባለ’ዚ፣ ኣብቲ ቦታ ዘይተረጋገአ ኩነታት ሰፊኑ ከም ዝጸንሐን፣ ሓይልታት ስርዓት ህግደፍ ገለ ካብ መሬት ጂቡቲ ብሓይሊ መንዚዑ ኣሎ ዝብል ክሲ ብመንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ቀሪቡ ምንባሮን ዝዝከር ኢዩ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

23 መስከረም 2017

Short URL: https://english.farajat.net/?p=10849

Posted by on Sep 26 2017 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net