መዓልቲ ነጻ ፕረስን ዝኽሪ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን፡

3 ግንቦት 2018

ሎሚ ዕለት ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም መዓልቲ ነጻ ፕረስ ዝኸበረሉ’ዩ። ኣብ’ዚ ምስ ነጻ ፕረስ ምትእስሳር ዘለዎም ይኹኑ ተጣበቕቲ ነጻ ፕረስን ዝተፈላልዩ ማሕበራትን ኣሕጉራዊ ትካላት ዘኽብርዎ ዕለት’ዩ። ነጻ ፕረስ ብዘይ ስግኣትን ፍርሓትን፡ ብዘይተጽዕኖን ዕብለላን ጋዜጠኛታት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ሓሳባቶም ዝገልጽሉ ዝጣበቐን ዝከላኸል እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻይደ ዝኽሪ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ብኣህጉራዊ ትካል ብዩኔስኮ ዝተዳለወ ተሸላሚ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ከም ዝነበረ ብምዝካር፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ጋና ኣክራ ዝካየድ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ግብጻዊ ጋዜጠኛ ብዩኔስኮ ዝተዳለወ ሽልማት ከም ዝወሃብ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሃገር ጋና ከተማ ኣኽራ ዝካየድ ዝኽሪን ክብርን መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሓደ ፍልይ ዝበለ ንኤርትራ ዝምልከት ተዳልዩ ዘሎ፡ እዚ ከኣ እታ ዳዊት ኢሳቕ ዝደረሳ ”ተስፋ” ትብል መጽሓፍ ብቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝኛን ተተርጕማ ተሓቲማ ቀሪባ ኣላ። ብድሕሪ’ዛ ”ተስፋ” ትብል መጽሓፍ ምስ ኤርትራ ዝተተሓሓዘ፡ ንባዕሉ ምስ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዘለዎ ኩነታትን ሃለዋትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሃለዋት መሳርሕቱን መሓዙቱን ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ተርኽቦ ታሪኽ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ሎሚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሽወደናውያን ብጉዳይ ኤርትራው ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ተላዒሉ ክትዕን ዘተን ጽሑፋት ኣብ መዲያ ብምዝርጋሕ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝቀንዐ ነቐፈታ ኣቅሪቦም። ከምኡው’ን መንግስቲ ሽወደን ንባዕሉ ኣብ’ቲ ንዳዊትን መሓዝቱን ተኸሲሶም ተኣሲረምሉ ዘለዉ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ንኽቀረብ ምሕታት ኣኻሊ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ነቲ ብመላኺ ስርዓት ኤርትራ ካብ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝእከብ 2% መጠን ዘይብሉ ገንዘብ ጠጠው ክብል እኩል ጻዕሪ ዘይምክያድ ብዝብል ወቐሳ ቀሪቡ። ጋዜጠኛታት ኣብ ሽወደን ነቲ ካብ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝእከብ ገንዘብ ኣመልኪቶም፡ ዘስዕቦ ዘሎ ሽግራት ብምጥቃስ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብሕድሪ ንዝተቀበሎ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ጸታውን ስለያውን ትካላቱ ከም ዘዋፍሮ ዝገለጹ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉን ጠጠው ክብልን ዘለዎ ጉዳይ’ዩ ይብሉ።

እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ጋዜጣታትን ሬድዮ ሽወደን ዝተመሓላልፈ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ንኤርትራ ከም ኣወራ ጸረ ነጻ ኣተሓሳስባ ዝዀነ ስርዓት ነጊሱላ ዘሎ ሃገር ምኳና ምግላጾም ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ቃልሲ ምልክት ሓደ ኣህጉራዊ ደገፍ ምዃኑ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንምልካዊ ስርዓት ህግድፍን ሰዓብቱን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍሽለትን ጽፍዒትን’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ 10 መስመር ፈነወ ሬድዮን ቲቪን ከፊቱ ብዛዓብ መራኸቢ ከም ዘሎ እንተገዓረ ዝኣምኖ ዝቅበሎን ከም ዘየለን፡ ባዕሉ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጦን ዝርድኦን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ርእሰ ዓንቐጽ ሰዲህኤ እቲ ብገደብ ኣልቦ ማሕበር ጋዜጠኛታት ዝወጸ ጸብጻብ ፕረስ 2017 ኤርትራ ካብ’ተን ፈጺመን ነጻ ፕረስ ዘይብለንን ዘይተፍቅድን ሃገር ምዃና ብጸብጻብ ተገሊጹ ነይሩ። ስርዓት ህግዲፍ ክሳብ ዘሎ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ ብትሪ ክንቃለሶ ዘሎና ሓደ ካብ መደባት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ’ዩ።

 

መዓልቲ ነጻ ፕረስ

3 ግንቦት 2018

ሰዲህኤ

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11007

Posted by on May 4 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net