ስለምንታይ ኢና ሎሚ በዓል ናጽነት እነብዕሎ ዘሎና ??!!!!

·       እዛ መዓልቲ’ዚኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ ሓይሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ብምብራር፣ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝተጎናጸፈላን፡ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ዘጋጠሞ ቀጻሊ ሕሰምን መከራን ዘኽተመላ ዕለት ብምዃና፣ ሓጎስና እንገልጸላ መዓልቲ ኢያ። 

·       ምርግጋጽ ናጽነት ትራ፣ ህዝብና  ጩራ ሓዲሽ ወጋሕታ ዝተኸሰተሉ ሁመት ምዃኑ ስለ ዝገመተ፣ ምዕብልትን ዘመናዊትን ዲሞክራስያዊት ሃገር ብምቛም፣ ዜጋታትና  ፍትሕን ሓርነትን ቅሳነትን ከስተማቑሩን፣ ውልቀ ሰባት ኣብ ክሊ እዛ ሃገር ዘለዎም ፍሉይ መለለይታት ብዘየገድስ “ዜግነት” መሰረት ናይ ኤርትራውነት ኮይኑ ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ክመሓደር ኢዩ ብምባል ህዝብና ተስፋ ነበሮ።

·       ሰራዊት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ካብ ዝወጽእ ድሮ 27 ዓመት ኣቚጺሩ ይርከብ። እንትኮነ ግን እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ህዝብና ንዝተፈላለየ ሓሳረ- መከራን ንኩሉ ዓይነት ግፍዕን ጭቆናን ዝተሳጣሓለን ዓመታት ኢየን ነይረን። ሃገር ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ  ሃገሩ ራሕሪሑ ንክኸይድ ተገዲዱ፣ ኤርትራ ኣብ ከንቶ ውግኣት ብምእታው፣ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝተወግኡን ኮይኖም፣ ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ህዝባ ብምቕያር፡ ብዘይ ሕግን ፍርድን ማእሰርትን መጭወይትን ምስዋርን ግፍዕን መዓልታዊ ህይወት ኤርትራውያን ኮይኑ ይርክብ።

·       ነዚ ድሕሪ መሪርን ጽንኩርን ቃልስን ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ናጽነት ነብዕለሉ ኣብ ዘለናሉ ግዜ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ደው ብምባል፣ ኣንጻር ኩሉቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ጭቆናን ግፍዕን ንምግጣምን፣ ሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ መሳርዕ ኣጽኒዕና ብምሓዝን፣ ዓቕምታትና ኣንጻር መላኺ ኢሳይያስ ጉጅሉኡን ብምቕናዕን፣ ጨቋኒ ስርዓት ተኣሊዩ ፍትሕን ሓርነትን ዲሞክራስን ሰላምን ንህዝብናን ንጎረባብትናን ክሳብ ዝረጋገጽ ቃልስና ቀጻሊ ምዃኑ እነረጋግጸሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ነጻን ሓራን ኮይኑ ይንበር !!

ውድቀትን ሕፍረትን ንኩሎም ምልካውያን !

ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም  ስቶክሆሎም  ሽወደን

  26-ግንቦት-2018

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11028

Posted by on May 22 2018 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net