ሰልፊ መበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም

ዕለት 24 ግንቦት 2018 መበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘኽበረሉን ዝዝክርሉን ዓብይ ኤርትራዊ ሃገራዊ በዓል’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ መላኺ ጨፍላቒ ፖሊስታት ስርዓት ህግዲፍ ህዝብና ኣብ ደጋፍን ተቃዋምን ተፈላልዩ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ማእሰርቲ ስቓይን፡ ዋጋ ብሉጻት ወለዶ ዝተኸፍለሉ ነጻነት ከም’ቲ ዝግባእ ክዝከርን ክኽበርን ዘይተኻእለን።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሰልፊ በዓል ነጻነት ንምክያድ እምበኣር ሰልፍታት፡ውድባት፡ ማሕበራትን፡ ውልቀ ዜጋታት ኣብ’ዚ ተዳልዩ ዘሎ መዓልቲ ነጻነት ክሳተፉ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዕለት ከኣ ስውኣት ክዝከሩ፡ ነጻነት ኤርትራ ብሕግን ስርዓትን ክኽበር፡ ጭቆናን ግፍዕን ስደትን ከብቅዕ፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ እከይ ተጋባራት፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ንዓለም ክፈልጦን ክሰምዖን ሓደ ካብ’ቲ ኣገዳሲ ተልእኾ ሰልፊ ስቶክሆልም’ዩ።

ደምበ ተቃውሞ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ማኒፌት ይኹን ሰላምዊ ሰልፊ ክንደይ ሰባት መጺኦም፡ ተሳቲፎምን ዘይኮነስ፡ ክንደይ ሰባት ተሳማሚዖም ተሓባቢሮም ተደጋጊፎም፡ ቀጻልነት ሓድነቶም ንምርግጋጽ ዝፍጽምዎ መብጽዓታት ማዕረ ክንደይ ተግባራዊ ይኸውን ከም ዘገድስ ሰዲህኤ ይኣምን። እወ ድሕነትና ከኣ ኣብ ውሕስነት ኤርትራዊ ሓድነት ክረጋገጽ ስለ ዘለዎ ፡ ስምምዕ፡ ምትሕግጋዝ፡ ብቀዳምነት ዝስራዕ ብምዃኑ ንማንም ደላይ ፍትሒ ስውር ኣይኮነን፡ ስውር ስለ ዘይኮነ’ውን ኩሉ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ብቀዳምነት ካብ ዘስፍርዎም ኣጀንዳታት ንምትግባሮም ገለ ፍረ ክርእየሉ ብቅንዕናን ግሉጽነትን ክስርሓሉ ግቡእ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምንጋስ፡ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ንደምበ ተቃውም ሓሊዅ ሒዝዎ ዘሎ ዝዓበየ ክፋል ምልካዊ ስርዓት ዝሕተተሉ’ኳ እንተዀነስ፡ ሰሪ ብኵራት ስኒትን ሓድነት’ውን ባዕሉ ተኺሉ ባዕሉ ዝዘሎ ሓጹራት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እሞ እቶም ዝዕንቅፉ ሓጹራት ተማሕዮም ዋኒን ቃልስና ኣንጻር ምልካዊ ህግዲፍ ክሕይልን ክተርርን ይግባእ።

ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኤርትራ’ምበር ነዚ ሓቕታት ከንጸባርቕ ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ሓድነት ክርከብ ዝኽእል ዓወት ዓብይ እዩ እሞ፡ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ክኸውን ክስርሓሉ ይግባእ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11032

Posted by on May 25 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net