News

ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓባይ ሃገራዊት ወናም ጸሃይቱ በራኺ

ዓባይ ሃገራዊት ወናም ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ብሓሙስ ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ሆላንድ ከተማ ሮተርዳም ብሞት ተፈሊያትና። ዕርፍቲ ሓርበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ ምስ ተሰምዐ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ዝርከቡ ደቂ ኤርትራ ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰመዖም ዝገልጽ ጽሑፋት ኣብ ሶሻል መድያ ክቃላሕ ጀመረ።

 

ስም ሓርበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወርቃዊ ቀለም ንዘልኣለም ተዘኪሩ ክነብር ኢዩ። ጸሃይቱ በራኺ ካብ መጀመርታ ሰብዓታት ኣብ ውሽጣዊ ስርዒት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲባ ዓቢ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ዝገበረት ሓርበኛ ኤርትራዊት ኢያ። ምስ ፈዳኤን  ጀብሃ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ጅግንነታዊ ስርሒታት ግደ ከም ዝነበራ መዛግብ ገድልና ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ድሒራ ኣብ መጀመርታ ናይ 1977 ንሜዳ ተሰሊፋ፣ ኣካል ክፍሊ ሙዚቃን ባህልን ተሓኤ ኮይና፣ በቲ ዓቢ ሃገራዊ ደራሲ ንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዘዳለወላ ግጥምታት  ኣቢላ፣ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓልን ፍናን ተጋደልቲ ክብ ኣብ ምባልን ዓቢ ግደ ዝነበሮም ዜማታት ኣቕረበት። ቀጺላ ናብ ኤውሮጳ ምስ ተሰደደት ኣብ ውድባና ተሓኤ/ ሰውራዊ ባይቶ ኮይና፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ ኣብ ካስል ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫልና ረዚን ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ’ውን ጥራሕ ከይኮነ፣ ንምሕያል ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ክኸውን ኢላ፣ ምቑርን ዓቢ ተልእኮ ዝሓዘለን ደርፍታት ብካሴት ቀሪጻ ኣብ 1989 ንውድብና ዘወፈየት ሓርበኛ ተቓላሲት ኢያ።    

                     

                         

ብሞት ኣዴና ገዲም ተጋዳሊት ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ዝተሰመዓና ሓዘን ብምግላጽ፣ ብስም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ንኩሎም ቤተ ሰብን ናይ ቃልሲ ብጾታን  ኣፍቀርቲ ዜማታታን ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃበና፣ ንሓርበኛ ሃገራዊት ወናም ጸሃይቱ በራኺ ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ።

 

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

25/05/2018

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top