News

መግለጺ ሓዘን ዕረፍቲ ኣደናን መቃልስትናን ስነ ጥበባዊት ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ

መርድእ ሞት ስነ ጥበባዊት ኣደ መቃልስቲ ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ንኩሉ ኤርትራዊ ምስ በጽሐ ዘሰምብድን ዘሕዝንን ተርኽቦ ኮይኑ፡ ኣደናን መቃልስትናን ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ’ቲ ስነ ጥበብ ዝተሳተፋሉ እዋን ይትረፍስ ንደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ’ውን ከም ነውሪ ዝቁጸረሉ ነበረ ብድፍረትን ትብዓትን፡ ኣብ መድረኽ ንዕብየት ባህሊ ሓደ ሸነኽ፡ ንመሰል ከም ጓል ኣንስተይቲ ስዒረንኦ፡ ዓብይ ተፈላጥነትን ተቀባልነት ረኺበን። ብዝያዳ’ኳ እቶም ኣብ ኪነት ዝነበሩ ዝገልጽዎ እንተኾኑ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ኣብ ኣስመራ ምስ’ቶም ህቡባት ደረፍቲ ዘካየድኦም ምርኢት ወ/ሮ ጸሃይቱ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። ብዙሓት ኣደታት ከኣ ኣንታ እዛ ጸሃይቱስ እንዳበላ ፍትወተን ፍቅረን ክገልጻ ይስምዓ ነበራ። ወ/ሮ ጸሃይቱ መራሒት ስነ ጥበብ ኣብ ባህሊ ኮይና ከም ነፍስሄር ወ/ሮ ኣምለስት ኣባይ፡ ተበርህ ተስፋሁነይ፡ ተግባሩ ኣብ’ቲ እዋን ክዝከራ ይኽእላ።

ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መፋርቅ 70ታት ምስ ደቃን ኣሕዋትን ኣንጻር ጸላኢ ንክቃለሳ ንሜዳ ወፊረን ኣብ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ሃገራዊት ክፍሊ ሙዚቃ ዓብይ ኣበርክቶ ዝገበራ ኣደን ሓፍትን መቃልስትን እየን።ብሓቂ ከኣ ነባሪ ዓብይ ስርሒት ስነ ጥበብ ታሪኽ ገዲፈናልና ሓሊፈን ኣለዋ።

ሰዲህኤ ብሞት ኣደናን ሓፍትናን መቃልስትና ተኻፈልቲ ሓዘን ብምዃን፡ ንወ/ሮ ጸሃይቱ መንግስተ ሰማይ፡ ንስድራ ቤት፡ መቃልስቲ፡ ንኩሉ ፈተውተን ከኣ ጽንዓት ይሃብ ንብል።

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ሰዲህኤ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top