ምቅይያር ስርዓት ህግደፍ ንኣባላት ምምሕዳራት ዓድታት ዞባ ጋሽ ባርካ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምሕዳራት ዓድታት ዞባ ጋሽ ባርካ ዝጸንሑ ንብሙሉኦም ክቅየሩ ከም ዘለዎም ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከም ዘሎ ካብ’ቲ ዞታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ ። እቲ ትእዛዝ ህግደፍ ነቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ነዊሕ ዝጸንሑ ኣባላት ምምሕዳራት ብሙሉኦም ሓደ ከይተረፈ ክቅየሩ ኣለዎም ዝብል ምዃኑ ወሲኹ ይነግር።

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ምቅይያራት ሓቂ ንምምሳል እቲ ኣገባብ ምቅይያሮም ንወረ ክጥዕመሉን ኣቀዲሙ ብዝተዳለወ ምርጫ ኮይኑ ንእገለን እገለን ምረጹ ብማለት ይፍጸም ከምዘሎ ይግለጽ። እቲ ንምምሕዳራት ዓድታት ናይ ምቅያር መምርሒ ኣብ ሙሉእ ሃገር ከይኮነ ኣይክተርፍን ዝብል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለዎ። ንእዋኑ ንዓና ዝበጸሓና ሓበረታ ግን ናይ ዞባ ጋሽ ባርካ ጥራይ ዝብል ኢዩ። እዚ ዕማም ምቅያር ምምሕዳራት ዓድታት ካብ 25/5/2018 ጀሚሩ ይቅጽል ከም ዘሎ ይሕበር። ምቅይያራት ኣመሓደሪ ዓድታትን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ስርርዓት ውደባን ህግዲፍ እምነትን ኣጥፊኡ ብምጽንሑ ዝተላዕለ ምቅይያራት ምዃኑ ይመስል።

 

ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ካብ ወርሒ ጥሪ 2018 ምዕጻዉ ቁሩብ ሃዲኡ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ስደት መንእሰያት ኤርትራ ንሱዳን ብብዝሒ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ሰዲህኤ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11041

Posted by on Jun 5 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net