News

ናይ ደገፍ መልእኽቲ

ሰልፊ ዲሞክራሲህዝቢ ኤርትራ

ወጻኢ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት

 

ሎሚ ሰነ 23/2018  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ተኻይዱ፡ እዚ ብህዝቢ ዝተጸውዐ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቤታዊ ምርግጋእን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብፍላይ ከኣ ንልዕሊ 20 ዓመት ፍታሕ ከይተረኽበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዘንቀሎ መርሕ ሰላምን ዝውሰዶ ፖሊሲ፡ ዘቅረቦ ናይ ሰላም ጸዋዒት ንጠቅላይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ደገፍ ንምሃብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሰላማዊ ሰልፊ ገሮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራበስላም ንምንባር  ዘለዎ ህርፋን  ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ሓጎሱን ደገፉን አናገልጸ አንከሎ ከም’ቲ ”ዘራጊት ዘላተን ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ከም ዝበሃል ነዚ ናይ ሰላም መንገዲ ንምቑጻይ ዝተኻየደ ፈተነ ግብረ እከያት ኣሸበርቲ ብዝደርበዩዎ ተተኳሲ ሓደ ክመውት እንከሎ ብዙሓት ቆሲልም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ግብረ ሽበራ ተግባር ኣዕዚዙ ይኹንን ሓዘኑ ድማ ይገልጽ።  ህዝቢ ኢትይዮጵያ ነቲ ዝተለሞ ዕላማ ክምህ ከይበለ አብ ሽትኡ ከም ዘብጽሖን ብተንኮላት ጸይቕን ናይ  ግብረ ሽበራ ስራሕን ካብቲ ቅኑዕ እምንቶኡ ፈልከት ከም ዘየብሎ ንኣምን። እቲ ንነዊሕ ግዜ ተራሓሒቑ ዝጸንሐ ህዝብታት ድማ ናብቲ ንቡር ሰላምን ርግኣትን ምዕባለ ጎደና ሓቢሩ ክምርሽ ትጽቢትና ብዙሕ’ዩ።

 

ሰላም ንኩሉ፡ሰላም ምስ ኩሉ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top