ናይ ደገፍ መልእኽቲ

ሰልፊ ዲሞክራሲህዝቢ ኤርትራ

ወጻኢ ዝምድናታት ቤት ጽሕፈት

 

ሎሚ ሰነ 23/2018  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ተኻይዱ፡ እዚ ብህዝቢ ዝተጸውዐ ሰልፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቤታዊ ምርግጋእን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብፍላይ ከኣ ንልዕሊ 20 ዓመት ፍታሕ ከይተረኽበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዘንቀሎ መርሕ ሰላምን ዝውሰዶ ፖሊሲ፡ ዘቅረቦ ናይ ሰላም ጸዋዒት ንጠቅላይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ደገፍ ንምሃብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሰላማዊ ሰልፊ ገሮም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራበስላም ንምንባር  ዘለዎ ህርፋን  ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ሓጎሱን ደገፉን አናገልጸ አንከሎ ከም’ቲ ”ዘራጊት ዘላተን ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ከም ዝበሃል ነዚ ናይ ሰላም መንገዲ ንምቑጻይ ዝተኻየደ ፈተነ ግብረ እከያት ኣሸበርቲ ብዝደርበዩዎ ተተኳሲ ሓደ ክመውት እንከሎ ብዙሓት ቆሲልም።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ግብረ ሽበራ ተግባር ኣዕዚዙ ይኹንን ሓዘኑ ድማ ይገልጽ።  ህዝቢ ኢትይዮጵያ ነቲ ዝተለሞ ዕላማ ክምህ ከይበለ አብ ሽትኡ ከም ዘብጽሖን ብተንኮላት ጸይቕን ናይ  ግብረ ሽበራ ስራሕን ካብቲ ቅኑዕ እምንቶኡ ፈልከት ከም ዘየብሎ ንኣምን። እቲ ንነዊሕ ግዜ ተራሓሒቑ ዝጸንሐ ህዝብታት ድማ ናብቲ ንቡር ሰላምን ርግኣትን ምዕባለ ጎደና ሓቢሩ ክምርሽ ትጽቢትና ብዙሕ’ዩ።

 

ሰላም ንኩሉ፡ሰላም ምስ ኩሉ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11067

Posted by on Jun 25 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net