ኤርትራውያን፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ መገሻኦም ክስርዙ ወይ 360 ኣስከሬናት ላምፓዱሳ ምስኦም ክማልኡ ሓቲቶም

ኣብዚ ናይ 3ጥቅምቲ 2013 ህልቂት ላምፓዱሳ ዝዝከረሉን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ክገሹ ዝመደብሉን ኣጋጣሚ ሰለስተ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት (ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን) ዝሓደሮም ዓሚቕ ሻቕሎትን ቅሬታን ብምጥቃስ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ መዘክር ሰዲዶም። ኣብቲ መዘክሮም ናይ ኢጣልያ ተደጋጋሚ ንኤርትራውያን ኣብ ግዜ ጸገሞምን ሓገዝ ዝደልይሉ ኣጋጣምን ናይዘይምትሕግጋዝ ተግባር ኣስፊሮም።

እዚ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂሶፐ ኮንተን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሮም ኢንዞ ሚላነሲን ዝተላእከ መዘክር፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ብውሕዱ ገለ ካብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ለበዋታት ከይተግበረ፣ ብደረጃ ላዕለዋይ ልኡኽ ክብሪ ክወሃቦ ከምዘይግባእ መንግስቲ ኢጣልያ ንክርዳእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

 

ኣብዚ መዘክር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ዝመደብዎ መገሻ ንክስርዙ ወይ ድማ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ናይ ህልቂት ላምፓዱዛ ኣስከሬናት ምስኦም ተወሲዱ ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ንክቕበር ሓቲቱ።

እዘን ኤርትራዊ ውድባት ኣብ መዘክረን፡ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣቱ ዝነበረት ኤርትራ ክሕግዝ ዘይምብቅዑ ጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ፖለቲካዊ ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን፣ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣታ ንዝነበረት ሊቢያ፣ ቁስላ ንምውሕዋይን ንምኽሓስን ብ2009 ዝሃበቶ 6 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝን ናይቲ ዝፈጸመቶ በደል ግሉጽ ኣፍልጦን ጠቒሰን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11181

Posted by on Oct 4 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net