ቀዳማይ አኬባ ባይቶ አብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ጨንፈር   ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ቀዳማይ አኬባኡ  ብአባል  መሪሒነት ባይቶ ሓፍትና ሂወት ገ/ሚካኤል ዝተመርሔ  ብዕለት 8/12/2018  እኬባ ተሳላሲሉ።

 

ሓፍትና ሂወት  ንተሳተፍቲ  አኬባ  እንቋዕ ዳሓን መጻኩም ብምባል ምስጋናአ አቅሪባ። ብምቅጻል  ባይቶ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት  አጓኒፉዎ ዝጸንሔ ፈተናታት  ተሓሊኩ  አብ ደዉታ   ከም ዝጸንሔ ንኩሉ ብሩህ እዩ ። ይኩን ደአንበር አብ ቃልሲ  ሙዉዳቅን   ምትንሳእን   ክረኤ ባህሪያዊ  ይኩን ደአምበር   ባይቶና  ተንሲኡ   ንኩሉ ፈተናታት ሰጊሩ ሕሉፍ ተሞክራታቱ ገምጊሙ እኖሆ   ናብ ካላአይ ሃገራዊ ጉባኤ  ንምእታዉ አብ ምሽብሻብ ይርከብ  ከም ዘሎ ብሰፊሒ ተገሊጹ ።

ብምቅጻል አከበኛታት  አብ’ቲ ብሓፍትና ሂወት ዝቀረበ  ፖለቲካዊ ገምጋም ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምስማዕ ብዑቱብ  ሓላፍነታዊ ምይይጥ ተካይዱ  ፧ አገደስቲ ሓበራዊ  ተረድኦታት  ብምቕራብ ንባይቶና ንምዕዋት ዝጠቅም  ዝቀርቡ ዝነበሩ  ሕቶታትን  ርእቶታትን ነቀፈታዊ  ደገፍን ብዕምቆት   ድሕሪ  ምስማዕ ብወገና ክትምልሶ  ዘለዋ መሊሳ እቲ ናብ አሳናዳኢ ሽማግለ  ክሓልፍ ዘለዎ ከተሕልፎ  ከምዘለዋ  አብሪሃ። ቀጺላ  ካብ   ከተማና  ወኪልና  ክሳብ  እንመርጽ ከምዚኦም ዓይንት አኬባታት ምስ ህዝቢና  ክካየድ ከምዝኮነ  ብምብራህ ኩሉና ንዝመጽእ አኬባና ሰፊሕ ጎስጓስ ብምክያድ  ነቶም ሎሚ ምሳና ብዝተፋላለየ  ምክኒያት  ዘይተካፈሉ  ዘለዉ ኤርትራዊያን  ነበርቲ ከተማና  ንክሳተፉ ምልዓዓ  ንክግበር  ብምስምማዕ  አኬባ ተፈጺሙ።

 

አብ መደምደምታ ድማ አብ  ኩለን ከተማታት ሰሜን  አሜሪካን ካናዳን ዝርከብ ህዝብና ናብ ጉባኤ ባይቶ  ወከልቱ ንክሰድድ ለቦዋኡ  የሕልፍ ።

 

 

 

ንምዕዋት ባይቶ ንራባረብ

 መሰረታት  ባይቶ  ኢንዲያናፖሊስ

              ኢንዲያና  ።

      

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11222

Posted by on Dec 16 2018 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net