News

ቀዳማይ አኬባ ባይቶ አብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ጨንፈር   ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ቀዳማይ አኬባኡ  ብአባል  መሪሒነት ባይቶ ሓፍትና ሂወት ገ/ሚካኤል ዝተመርሔ  ብዕለት 8/12/2018  እኬባ ተሳላሲሉ።

 

ሓፍትና ሂወት  ንተሳተፍቲ  አኬባ  እንቋዕ ዳሓን መጻኩም ብምባል ምስጋናአ አቅሪባ። ብምቅጻል  ባይቶ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት  አጓኒፉዎ ዝጸንሔ ፈተናታት  ተሓሊኩ  አብ ደዉታ   ከም ዝጸንሔ ንኩሉ ብሩህ እዩ ። ይኩን ደአንበር አብ ቃልሲ  ሙዉዳቅን   ምትንሳእን   ክረኤ ባህሪያዊ  ይኩን ደአምበር   ባይቶና  ተንሲኡ   ንኩሉ ፈተናታት ሰጊሩ ሕሉፍ ተሞክራታቱ ገምጊሙ እኖሆ   ናብ ካላአይ ሃገራዊ ጉባኤ  ንምእታዉ አብ ምሽብሻብ ይርከብ  ከም ዘሎ ብሰፊሒ ተገሊጹ ።

ብምቅጻል አከበኛታት  አብ’ቲ ብሓፍትና ሂወት ዝቀረበ  ፖለቲካዊ ገምጋም ህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምስማዕ ብዑቱብ  ሓላፍነታዊ ምይይጥ ተካይዱ  ፧ አገደስቲ ሓበራዊ  ተረድኦታት  ብምቕራብ ንባይቶና ንምዕዋት ዝጠቅም  ዝቀርቡ ዝነበሩ  ሕቶታትን  ርእቶታትን ነቀፈታዊ  ደገፍን ብዕምቆት   ድሕሪ  ምስማዕ ብወገና ክትምልሶ  ዘለዋ መሊሳ እቲ ናብ አሳናዳኢ ሽማግለ  ክሓልፍ ዘለዎ ከተሕልፎ  ከምዘለዋ  አብሪሃ። ቀጺላ  ካብ   ከተማና  ወኪልና  ክሳብ  እንመርጽ ከምዚኦም ዓይንት አኬባታት ምስ ህዝቢና  ክካየድ ከምዝኮነ  ብምብራህ ኩሉና ንዝመጽእ አኬባና ሰፊሕ ጎስጓስ ብምክያድ  ነቶም ሎሚ ምሳና ብዝተፋላለየ  ምክኒያት  ዘይተካፈሉ  ዘለዉ ኤርትራዊያን  ነበርቲ ከተማና  ንክሳተፉ ምልዓዓ  ንክግበር  ብምስምማዕ  አኬባ ተፈጺሙ።

 

አብ መደምደምታ ድማ አብ  ኩለን ከተማታት ሰሜን  አሜሪካን ካናዳን ዝርከብ ህዝብና ናብ ጉባኤ ባይቶ  ወከልቱ ንክሰድድ ለቦዋኡ  የሕልፍ ።

 

 

 

ንምዕዋት ባይቶ ንራባረብ

 መሰረታት  ባይቶ  ኢንዲያናፖሊስ

              ኢንዲያና  ።

      

 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top