ጋዜጣዊ መግለጺ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንህላዌኣ ዝደናደን ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ካብ – ይኣክል ናብ ይከኣል – ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈኦ ፣ ካብ 8 – 9 ለካቲት 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዕዉት ዋዕላ ኣካይደና።

ኣብዚ ዋዕላዚ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብስና ወዲብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ልዑል ተራ ክንጻወት ወሲና። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ብወለንተአን ኣወሃሃድቲ ክኾና ፍቓደኛታት ዝኽና ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቲ ናይ ነብሰ ውደባ መስርሕ ክጅምርኦ ተወሲኑ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ነናብ ቦታና ተመሊስና፣ ናይ ከባቢና ደቂ ኣንስትዮ ክንጥርነፍን፣ ጥርናፈና ከነሐይልን፣ ወከልትና ክንመርጽን፣ ናይ ከተማታትና ወከልቲ ብምልኣኽ ናይ ኩለን ከተማታት ወከልቲ ዘሳተፈ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጥርናፈ ክንፈጥር ወሲና።

ከምኡውን፣ ታሪኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያና ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪክ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፦

1. ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን እዩ ፣

2. ዶብና መጣልዒ ውልቀ-መላኺ ስለዘይኮነ ፣ ብቕጽበት ክሕንጸጽ፣

3. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ፣

4. ሃገርና ብቅዋምን ልዕልና-ሕግን ክትመሓደር እምበር፣ ብውልቀሰብ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን፣

5. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል ንጽውዕ፣

6. ህዝቢ ኤርትራ ነዲሩ ዝጀመሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎን ንጽውዕ፣

7. ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ሓደ ኢድ ኮይኖም ክሰርሑ ተደላይነቱ ህጹጽ ስለዝኾነ፣ ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ፣

8. እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ነመላኺ ስርዓት ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ተጸንቢረን፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሳ ንጽውዕ፣

9. ኣብ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየድ ቃልሲ ህዝብናን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኣተኵርና ክንቃልሰ ኢና፣

10. ሞያውያን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብሞያኦም ተራኺቦም፣ ኣብ ግዚ ውድቀት ህግደፍ ሃገርና ንምህናጽ ዝገብርዎ ምድላዋትን ተበግሶታትን ንድግፍን ነተባብዕን።

11. ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ክኸፋፍል ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ሽርሕታትን ክንነቕሓሉን፣ ኣብ ክንዲ ተመቓቒልና መፍቶቱ ንኸውን፣ ነቲ ሰራም ከፋፋሊን መቓቓሊን ስልትታቱን ሽርሕታቱን ብስሙር ድምጺ ክንነጽጎን ክነፍሽሎን ንጽውዕ።

ነጻን ልዑልዊትን ኤርትራ ንዘለዓለም ትንበር

ንጡፍ ግደን ሓይልን ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሒ ሓርነትን ይዓምብብ

ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ

10 ለካቲት 2020

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11333

Posted by on Feb 15 2020 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net