News

ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብኣጋጣሚ በዓል ፋሲካ

ርሑስ በዓል ይግበሮ !!

ህዝብናን ኣህዛብ ዓለምን በዓል ፋሲካ ኣብ ዘብዕሉሉ ዘለዉ እዋን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኹላትኩም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ትቃለሱ ዘለኹም ኤርትውያን ሓርበኛታትን ስድራቤትኩምን፣ ንመላእ ህዝብናን፣ ከምኡ‘ውን ንኩሎም ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለም፣ እንቋዕ ናብ`ዚ ክቡር በዓል‘ዚ ኣብጻሓና ብምባል፣ ርሑስ በዓል ክገብሮን፣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ንክሰፍንን፣ ዝመጽእ ዘሎ በዓላትና ምልኪ ለጊሱ ፍትሕን ዲሞክራስን ነጊሱ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከነብዕሎም፣ ልባዊ ምንዮትና ክንገልጽ ንፈቱ። ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረልና። ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2020

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top