መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ካብ 3 ናብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሕ ናብ ጎንጺ ከም ዝማዕበለ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተሓበረ ኣዝዩ ኣሕዚኑና። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሕድሕዶም፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከም ዘይፈልጦ ዝገልጽ ኣዋጃት ከውጽኡ እንከለዉ ስክፍታና መሊሱ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ብሰላም ክፈትሕዎ እዮም ዝብል ተስፋ’ውን ነይሩና።

 

ውግእ ክሳብ ክንደይ ኣዕናውን ንልምዓትን ህድኣትን ዝዘርግን ምዃኑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኰነ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ብሩህ እዩ። እቲ ብሰላም ክፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋና ከኣ ካብዚ ተረድኦ ዝነቅል’ዩ ነይሩ። እዚ ከይኮነ ተሪፉ ናብ ውግእ ምምዕባሉ ከኣ ኣዝዩ የሕዝን። ምስዚ ኩሉ ሕጂ’ውን በዚ ሓደገኛ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ምቕጻሉ ዝያዳ ዕንወት ዝፈጥር እምበር ፍታሕ ዘየምጽእ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ክልቲኦም ተዓወቲ ዝኾንሉ ዘተን ልዝብን ክምለሱ ፓሓኤ ይምሕጸን።

 

እዚ ኩነታት ብባህሪኡ ብሓፈሻ ንዞባና፡ ብፍላይ ድማ ንሃገርና ኤርትራን ህዝባን ከም ዝጸልዎም ንርዳእ ኢና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና፡ እቲ ፍልልይ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ከይበጽሐ ክፍታሕ ናብ ኩሎም እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ክንጽውዕ ዝጸናሕና። ህዝብን መረሕትን ኢትዮጵያ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ክንደይ ጉዳይ ኤርትራ ኣበላሽዩ ኣብ ዘይጉዳዩ እንዳኣተወ ከም ዝዘርግን ከምዘበላሹን ብግቡእ ይርድእዎ እዮም ዝብል እምነት ኣለና። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከርብሕ እዩ ዝብል እምነት ከየሕድሩ ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሕጂ እውን የዘኻኽሮም። ስለዚ እቲ ምስኡ ምዝማዶምን  ኣብ ጉዳዮም ኢዱ ከእቱ ዕድል ምሃቦምን ጽባሕ ዋጋ ከኽፍሎም ምዃኑ ከይዝንግዑ ኣትሪርና ነተሓሳስቦም።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ናይ ትግራይ ከኣ ብፍላይ፡ ክሳብ ክንደይ ብኣውንታ ይኹን ብኣሉታ ከም ዝጸልወና ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ሃገርና ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዘይበቐዐን ነታ ብደምካን ኣዕጽምትኻን ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝጨበጥካያ ልዑላውነት ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረዳ ከኣ ባዕሉ ተጠሊዑ ይነግረካ ስለ ዘሎ፡ ካብ ካልእ ሓበሬታ ትደልየሉ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ቅድሚ ሕጂ ብመንጽር ረብሓኻ ቀዳምነት ኣብ ዘይወሃቦ ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ እናካየደ ከድምያካ ከም ዝጸንሐን፡ ኣብቲ ውግኣት መላምል ደቅኻ ከም ዝኸፈልካን ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ውግእ ኣብ ዘይብሉ ክነብርን ስልጣኑ ክቐጽልን  ስለ ዘይክእል ናብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝእጐድ ዘሎ ውግእ  ጐቲቱ ከየእትወካ እሞ ተጣዒስካ ዘይምለስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከየምጸኣልካ ነጠንቀቕካ። ስለዚ ኩሉ ዓቕምታትካ ብዘፍቅዶ፡ ሰላም ጐረባብትኻ ሰላምካ እዩ’ሞ ዓራቓይን ዓገብ በሃላይን ኩን። ካብኡ ሓሊፉ ህርፋን ኢሳያስ ከተርዊ ኣብ ዘይጉዳይካ ኣይትእቶ።

 

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመክሮ ኲናት ዝነብርካሉን ከቢድ ዋጋ ዝከፈልካሉን ኢኻ።  ምረት ናይቲ ምእንቲ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን በብእዋኑ ዘካየድካዮ ውግኣት እውን ትፈልጦ ኢኻ። ቅድሚ ሕጂ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ብሰንኪ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝኸፈልካዮ ዋጋ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ስንብራቱ ከኣ ክሳብ ሕጂ ምሳኻ ኣሎ። ሎሚ’ውን ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ከእትወካ ይወጣወጥ ከም ዘሎ ትዕዘቦ ኣለኻ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ኣይኮነን” ንዝበሎ ኣይትዘንግዓዮ። ስለዚ ሎሚ’ውን እንተደኣ ኢሳያስ ኣጋግዩካ ሳዕቤኑ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ ወለዶ እውን ሕማቕ ውርሻ ስለ ዝኸውን ናብ ሓድሽ ዘይምልከተካ ኲናት ከይትጥበስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕጸነካ። ንስኻ ብጌጋ ኣብዚ ጉዳይዚ ኢድካ እንተ ኣእቲኻ ኤርትራ እውን ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃና ዕድል ክፉት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

 

ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተከሲቱ ዘሎ ናይ ወግእ ሃዋህው፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሜዳ ውግእ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን ብፍላይ ዓለም በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ፕረዚደንታዊ ምርጫን፡ ከም ብሓድሽ ምልባዕ ኮቪድ-19ን ተሻቒሉ ምህላው ብምግንዛብ፡ ኣጉራዊ ኣስተብህሎ ኣብ ዝበዀረሉ ክኸውን ዝተመርጸ ዘምስል ምናልባታት ኣለዎ። ይኹን’ምበር እዚ ክባራዕ ጀሚሩ ዘሎ ኲናት፡ ሳዕቤናቱ  ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን  ኣብ መላእ ዓለም ቀሊል ከም ዘይከውን ዝግመት እዩ’ሞ ጠጠው ኣብ ምባሉ፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ብምውፋር፡  ተጽዕኖታት ክገብሩን ነቲ ሽግር ኣብ ምፍታሑ ግደኦም ክዓሙን ንጽወዖም።

 

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

4 ሕዳር 2020

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11390

Posted by on Nov 5 2020 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net