ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማኦታዋ – ካናዳ፣ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ድማ ቆይማ

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ። ኣቶ ተስፋይ ክፍለ ነቲ ኣኼባ ብምምራሕ ብቐዳምነት ብዝኽሪ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት፣ ንኣቶ ክብሮም ምስ ኣኸበኛታት ኣላልዩ። ከጺሉ መድረኽ ንሓው ክብሮም ብምሃብ ኣኼባ ተጀሚሩ።

ኣቶ ክብሮም ዋዕላ ከመይ ከምዝተኻይደ ካብ መጀመረያ ክሳብ መወዳእቱ ኣስፊሑ ብዝርዝር መግለጺ ሂቡ። ኣብ ምጅማሩ ዋዕላ ገለ መሰናኽላትን ዘይምስምማዕን ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ’ውን ሓቢሩ፣ ይኹንእምበር ተሳተፍቲ ዋዕላ ፍኑው ዝኾነ ልዝባትን ምርድዳእን ብምክያድ ኣብ ምእላዩ ዓቢ ግደ ተጻዊቶም ክብል ሓቢሩ፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ልዝብን ምጽዉዋርን ክኸይድ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ሰፊኑ። ብፍላይ መንእሰያትን ደቅ ኣንስትዮን ዘካየድዎ ጻዕርታትን ዝተጻወትዎ ተራን ኣዝዩ ዝሙጎስ ምዃኑ ገሊጹ።

ቀጺሉ ኣቶ ክብሮም 53 ዝኣባላታ ሃገራዊ ኮምሽን ቀንዲ ዕላማኣን ሓላፍነታን፣ ከምኡ’ውን ዕማማት ሽማግለታት ኮምሽን ብዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ኣብ ዋዕላ ተሳቲፈን ዝነበራ ኣሓት ኣበባ ሰለሙን፣ ዛይድ ኣማንኤልን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺበን ምስ ሓው ክብሮም ብምትሕብባር ተወሳኺ ሓበሬታን መብርህን ብምሃብ ሓጋዚ ተራ ተጻዊተን።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ጉባኤ ሓላፍነትን ጉዳይን ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ኣኼባታት ክሳተፎ ምስ ኮምሽን ብምትሕብባር’ውን ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ክገብር መጸዋዕታ ጌሩ። ተሳተፍቲ ነቲ ኩሉ ብዝርዝር ዝተባህለ ብዛዕባ ዋዕላ ሃገራዊ ኮምሽንን ብትዕግስትን ተገዳስነትን ድሕሪ ምስማዕ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተኸፊቱ። ብጣዕሚ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሕቶታት ቀሪቦም ብመልክዕ ክትዓት’ውን ኣዕጋቢ መልስታት ተዋሂብዎም።

ኣብ መጨረሽታ ኣኼበኛታት ንከተማ ኦታዋ  ትመርሕ 18 ዝኣባላታ  ሽማግለ መሪጾም፣ ብለበዋታት ከኣ ኣኼባ ተዛዚሙ።

ጅግና ኤርትራዊ ተበገስ

ጉባኤና ከነዕውት

ክብረትና ክምለስ

ፍትሕን ሰላምን ክነግስ

ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ክንሕንብስ

ዘልኣለማዊ ዝኽር ንጀጋኑ ስውኣትና

ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ – ኦታዋ፣

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1825

Posted by on Nov 22 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net