News

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ኣገዳሲ ኣኼባ

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሎም ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን  ንሰንበት ዕለት 28/11/2010 ንምርኻብ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ብኮምሽን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታትን ክሕበር ኢዩ። ከምኡ’ውን መስርሕ ምስንዳእ ንሃገራዊ ጉባኤ ብዓወት ንክሰላሰል ርእይቶን ሓሳባትን ጨናፍር ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ንምስማዕ ዝዓለመ ኣኼባ ኢዩ።

ስለ’ዚ ኣገዳስነት ናይ’ዚ ኣኼባ’ዚ ብምርኣይ ግዜና ሓሊና ኣብ ተወሲኑ ዘሎ ቦታን ግዜን ክንርከብ ነማሕጽን።

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡ ሺስታ ትሬፍ

ዕለት፡ ሰንበት 28/11/2010

ግዜ፡  15፡30

ብደሓን ምጹ!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ሽወደን

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top