ዮሃና ብምክንያት ሓድሽ ዓመት 2011

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን እንቋዕ ንበዓል Christmasን ሓድሽ ዓመት 2011ን ብሰላም ምብቓዕና ዮሃና ይብል። 2011 ንህዝቢ ኤርትራ ዓመተ ሰላምን ራህዋን ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ዓመተ ሓድነትን ዓወትን ክትኸውን ይምነ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓድነቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ጨቋንን ምልካውን ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ንምውጋድ ዕቱብ ቃልስታት ከኻይዱ ይጽውዕ። ከምኡ’ውን ሰላምን ፍትሕን ዝዓሰላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ፡ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዓመተ 2011 ክጋብእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ናብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ክስለፉን ኩሉ እንተናዊ ማለት ሞራላውን ነገራውን ንዋታውን ሓገዛቶም ከበርክቱን ክቡር መጸዋዕትኡ የቕርብ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

31 ታሕሳስ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1971

Posted by on Dec 22 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net