ብስራት ብዛዓባ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዋዕላ ዝተሰከሞ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ዕማም ሃገራዊ ጉባኤ ብዕቱብ ንምስላጥን ብስም WWW.ENCDC.COM መርበብ ሓበሬታ ምምስራቱ፡ ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን የበስር። መርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ምዝርጋሕ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ንዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ንዕማም ኮምሽን ብግቡእ ንምቅልጣፍን ልሉይ ኣበርክቶ ዝገብሩ ሃነጽቲ ሓሳባትን ርእይቶታትን መላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ክቕበል ምዃኑ’ውን የረጋግጽ።

መርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን WWW.ENCDC.COM ኣብ መባእታዊ ዕለት እዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ ብ01 ጥሪ 2011 ስርሓቱ ብወግዒ ክጅምር ምዃኑ ንሕብር። ስለዚ ኩልኩም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ዜጋታትና ናብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክትሰድዎ እትደልዩ ዜና፡ ሓበሬታ፡ ሃናጺ ሓሳባትኩም፡ ርእይቶታትኩምን ለበዋታትኩምን በዚ ኣድራሻ’ዚ encdcweb@gmail.com   ክትሰዱ ንሕብር።

ኹሎም እቶም ንሕጋውነት ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ልሉይ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ፡ ንመርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን WWW.ENCDC.COM ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ንምልላይ ከምቲ ልሙድ እቲ ኣውንታውን ንጡፍን ህዝባዊ እጃሞም ከበርክቱ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ንኹሎም እቶም እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ተመስሪቱ ክሳብ ስርሓቱ ብወግዒ ዝጅምር ክቡር ግዚኦም ኣወፍዮም ብሓሳብ፡ ብገንዘብን ንዋትን፡ ሓገዛቶም ንዘበርከቱ ዜጋታትና ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

30 ታሕሳስ 2010

WWW.ENCDC.COM

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1991

Posted by on Dec 30 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net