ጻዊዒት ንተቓውሞ ኣንጻር ፌስቲቫል ህግደፍ – ሎንዶን !!!

ዕለት:- Saturday 8th January 2011

ሰዓት:- From 9:00 pm to Midnight

ቦታ:- Club Colosseum, 1 Nine Elms Lane, London, SW8 5NQ

Nearest Station – Vauxhall Station (Victoria Line)

ኣብ ለንደን ንርከብ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብሓባር ፣ ኣብቲ ን ዕለት 8 January 2011 ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ህግደፍ ፣ኣውያት ህዝብና ከነቃልሕ ፣ ተቃውሞና ከነስምዕ ስለ ዝኾንና ኩሉኻትኩም ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታት ክትጽንበሩና ብትሕትና ንዕድም።

ብደሓን ምጹ –  ኣብ ኣፍደገ በዓል ዝካየደሉ ቦታ የራኽበና ።

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተቋወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን

ዓባይ ብሪጣንያ

ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ፌስቲቫላት ህግደፍ ካብ ምስታፍ ነቋርጽ !!!

ፌስቲቫል ማለት በቲ ሓቀኛ ትርጉሙ፡ ሓባራዊ ዓመታዊ ባህላዊ ንግደት ማለት ኢዩ። ፌስቲቫል ማለት፡ ዜጋታት ንሓድሕዶም ተራኺቦም ብናጻን ብዘይስክፍታን ብጉዳይ ሃገሮም ህዝቦምን ዝዝትዩሉ፡ ባህሎምን ልምዶምን ዝዕቅቡሉን ንኸባቢኦምን ጎሮባብቶምን ዘላልዩሉን፡ ማሕበራዊ ዝምድናታቶም ዘደልድልሉ፡ መጻኢ ዕድላቶምን ዕድላት ደቆምን ዘጣጥሑሉ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ተሃድሶ ዝገብሩሉ፡ ንግደት ኪበሃል ይከኣል ኢዩ ።

ፌስቲቫል ህግደፍ ግን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣምራት ፌስቲቫል ኣዚዩ ዝረሓቐ ኮይኑ፡ ንመናውሒ ዕድመ ስርዓቶምን፡ መደለቢ ካዝናኦምን ዝዓለመ ጥራሕ ኢዩ። ህግደፍ ብመልክዕ ፌስቲቫል ኣመኽንዩ ነቲ ገንዘቡ ከፊሉ ዝተኣከበ ህዝቢ ሕሱርን ስውርን ፈላላይ ሽርሕታቶም ይዝርግሑ ። ነቲ ባህሉ ናፊቁ ዝተኣከበ ህዝቢ ከኣ ከም ናቶም ተከታሊ ቆጺሮም ህዝቢ ኣብ ጐነይ ኣሎ እንዳበሉ ንፓለቲካዊ ሃልኪ ክኾኖም ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ፣በዚ ኣቢሎም ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኣፉ ንምዕባስ ከም መጽቀጢ ሜላ ይጥቀምሉ ።

ብዙሓት የዋሃት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን ህግደፍን ኤርትራን ፈላልዮም ክርእይዎ ስለዘይከኣሉ፣ ካብ ህግደፍ ምርሓቅ ማለት ካብ ኤርትራ ከም ምርሓቅ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ። በዚ ድማ ኢዮም ካብ በዓላት ህግደፍ እንተቦኾሩ ስኽፍክፍ ዝብሎም ።

ኪሳዕ ፍትሕን ርትዕን እንረክብ ብቐጻሊ ንነብስና ኪንሓታ ዘለና ሕቶታት ኣሎ ። ስለምንታይ ቁጠባ ሃገር ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ? ስለምንታይ መነባብሮ ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ? መንእሰያትና ስለምንታይ በጻምእን ባሕርን ይስደዱ ኣለው ? እሱራትና ስለምንታይ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ? ስለምንታይ ናይ ጽሑፍን ዘረባን ናይ እምነትን ምንቅስቓስን ናጽነት ዘይህሉ? ስለምንታይ ፡ ስለምንታይ፡ ስለምንታይ …..! መልሲ ዘድልዩ ኣዚዩ ብዙሕ ስለምንታያት ኣሎና ። ናጽነት ብዘይ ፍትሕን መሰልን ባርነት ምዃኑ ዝዘንጋዕናዮ ይመስል ።

ስለዚ ስለምንታይ ኢልና ናይ ደለይቲ ፍትሒ መልሲ ሃሰው ንበል ። እዚ ዓመት መጽአ ብስም ፌስቲቫላት ንሳዕስዒት ጓይላን ዳንኬራን እንኸፍሎ ዘለና ገንዘብ ድማ መናውሒ ስቓይ ህዝብናን ኣሕዋትናን ከምዝኾነ ተረዲእና ካብ ምስታፍ ንቆጠብ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1996

Posted by on Jan 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net