ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተቐማጦ ከተማ ኦታዋ ማሕበር መስሪተን፣

ብመሰረት መደባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣብ ከተማ ኦታዋ ዝነብራ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዕለት 12 ሕዳር, 2010 ኣኼባ ብምክያድ ማሕበር መስሪተን። ኣብ‘ቲ ኣኼባ ብዑቱብ ዝተማያየጣሉ ጉዳይ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ቓልሲ ንምዕዋት ጉባኤ፣ ሰፊሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ብርቱዕ ቃልስን ተወፋይነትን ከምዘድሊ፣ ከምቲ ኣብ ዋዕላ ዝተጻወኦ ኣውንታዊ ተራ ሕጂውን ኣብ ጎኒ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ተሰሊፈን ብዝለዓለ ደረጃ ኣስተዋጾኦ ክገብራ ቓልሰን ከበርትዓ ምኻነን ገሊጸን።

ብዘይካዚ፣ ማሕበር ደቀ ኣንስቲዮ ኦታዋ፣ ጠንቂ ናይ’ቲ ኩሉ ጸገማትን ምብትታንን ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ሓቢሮም ክሰርሑን ምስ’ቲ ንሓይልታት ተቓውሞ ኣማእኪሉ ዝሰርሕ ዘሎ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክተሓጋገዙን ጸዊዐን።

ወጽዓና ንምልጋስ

ማዕርነትና ንምርግጋጽ

ፍትሒ ንምንጋስ

ተጠራኒፍና ንቃለስ።

ክብርን ዝኽሪን ንሰማእታትና

ማሕበር ደቂኣንስቲዮ ከተማ ኦታዋ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2008

Posted by on Jan 5 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net