ርሑስ በዓል ልደት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ልደት’ዚ ብሰላም   ኣብቕዓኩም ብምባል ሰናይ መልእኽቱ የመሓላልፍ። ብምቅጻል በዓል ልደት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ስኒትን ራህዋን ክኸውን ልዑል እምነቱ ይገልጽ። 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኩሎም ተኸተልቲ ሃይማኖታት ኤርትራ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ ተኸባቢርኻ ብሰላም ምንባርን ምጽውዋርን ዝመልኦ ልሉይ ባህልታቶም ብምዕቓብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖታት ዝግበር ዘሎ ኢድ-ምትእትታው ብሓባር ክነጽጉ ይጽውዕ። ከምኡ’ውን ማዕርነት ሃይማኖታት እተኽብር ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ፡ ነቲ ኣብ ዓመተ 2011 ክጋብእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ናብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ክስለፉን ኩሉ እንተናዊ ማለት ሞራላውን ነገራውን ንዋታውን ሓገዛቶም ከበርክቱን ክቡር መጸዋዕትኡ የቕርብ።

 

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

 

 

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

03 ጥሪ 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2016

Posted by on Jan 6 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net