ህዝባዊ ኣኼባ ንተቐማጦ ካርልስሩሀን ከባቢኣን

ክቡራት ጠቐማጦ ካርልስሩሀ

 መቐጸልታ ኣኼባና ንቀዳም ዕለት 15 ጥሪ 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ሕቶታት በቶም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኣሕዋት ክበርህ እዩ። ቀጻሊ ኣኼባታት ንምክያድ ዘኽእል መደባትን ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ስርሓትን ኣብኡ ክቐርብ ዝድለ ርእይቶታትን ሕሳባትን ህዝቢ ዝእከበሉ ኣገባባትን እንታይ ዝበለ ከም ዝኸውን ክርአ እዩ።

ንዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ኣልዮም፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ ዝዕላምኦም ወከልቲ ናይ 28 ፖለቲካዊ ውድባትን፡ 15 ዝኸኑ ሲቪላውያን ማሕበራትን፡ ነንከባቢኦም ዝውክሉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣካላት ህዝብን፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ተወኪሎም ዝመጹ ስደተኛታትን፡ ዓበይቲ ተኸተልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታውያን ትካላትን፡ ኣገደስቲ ደሞክራሲያውያን ውልቀሰባትን ወዘተ. ዝተረኽቡሉ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብ ትሕቲ ንመላእ ተቓውሞ ዝሕቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተጠርኒፉ ሕድነቱ ከረጋግጽ ወሲኑ። እታ ካብ ኩሎም ተኻፈልቲ ዋዕላ ዝመረጻ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዘቕውም ሃገራዊ ጉባኤ ከተዳሉ ወሲኑ።

ኵሎም፡ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ተኣልዩ ኣብ ቦታኡ ብዝሐ ሰልፍታት ዝፈቅድን ማሕበራዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ዝዕላምኡን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽትከል ዝባህጎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ካርልስሩሀን ከባቢኣን፡ ንመጻኢ ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ሓስባት ርእይቶ ንምቕራብን፡ ኣብ‘ቲ ጸኒሑ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ወከልቶም ንኽሰዱን፡ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ሎሚ ግዜኡ ምዃኑ ነዘኻኽሮም።

ኣብ‘ዝን ዝቕጽልን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባታት‘ዚ ኵሉ ብህዝቡ ዝግደስ ኤርትራዊ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት፡ ቀዳም፡ 15/01/2011 

ቦታ፡ ሽታይን ስትራስሰ 23 – Gewerbehof 3. OG – Stein Str. 23 – 76133 Karlsruhe

ግዜ፡ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !!

ህዝባዊ ሽማግለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

05.01.2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2025

Posted by on Jan 8 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net