ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሎንደን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተዋሂብዎ ዘሎ ለበዋታት ንምፍጻም፣ ዕማማቱ ንምዕዋት ኣብ ስራሕ ነታ ምስ ኮሚሽን ትተሓጋገዝ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሎንደን ንምጽንባር ጻውዒቱ ንደቂ-ኣንስትዮ የቕርብ። 

በዚ መሰረት ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣሓት ተቐማጦ ከተማ ሎንደን ዝኾና እሞ ኣብ ናይ ቃልሲ መንገዲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣምናን፣ ብናይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዋዕላ ለበዋታትን ኣዋጃትን ዝሰማምዓ ዝኾና ነዚ ጻውዒት ነቕርበለን። እቲ ዕላማ ካብ መንጎአን ንደቂ ኣንስትዮ ወኪላ ኣባል ተሓጋጋዚት ሽማግለ ናይ ኮሚሽን ንሃገራዊ ጉባኤ ጨንፈር ሎንደን ንምምራጽ ኢዩ።

ስለ’ዚ ንሰንበት 16/01/2011 ልክዕ ሰዓት 2፣00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ክትርከባ ብትሕትና ንጽውዕ።

Voluntary Action

37 Chapel Street (ጥቓ Edgware Road Station)

NW1 5DW (London)

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

 

ዞባ አውሮጳ: ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

13 ጥሪ 2010

ENCDC2011@gmail.com

www.ENCDC.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2049

Posted by on Jan 15 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net