ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊስ ብጉዳይ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ኣኼባ ተኻይዱ

ብቀዳም ዕለት 18.12.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዙሪክን ከባቢኣን መግለጺ ተዋሂቡ።

ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን ሓው ዳኒኤል ወልደትንሳኤ ኣብቲ ናይ ዙሪክ ኣኼባ መግለጺ ክህብ ካብ ሎንደን ነቒሉ ኔሩ። እንተኾነ ግን ብምኽንያት ከቢድ ናይ በረድ ኩነታት ነፈርቲ ጠጠው ሰለዝበላ ኣብቲ ኣኼባ ክርከብ ኣይከኣለን። እቲ ኣኼባ ብኣላይነት ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ጨንፈር ዙሪክ ተኻይዱ። ጸብጻብ ብሓው የማነ ገብረማርያም እዩ ተዋሂቡ። ሓው የማነ ገብረማርያም ሓደ ካብቶም ሰለስተ ካብ ስዊስ ተወኪሎም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ እዩ።  ሓው የማነ ካብ ቅድሚ ዋዕላ ዝነበረ ስራሓትን ኣገባብ ውክልናን ንዋዕላ ዝኸዱን ከም መእተዊ ድሕሪ ምግላጽ ፣ ክሳብ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽ ብሃገራዊ ኮምሽን ተወሃሃሂዱ በብዓዱ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታትን ብዛዕባ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤን መግለጺ ሂቡ።

[cincopa AwHAxfqJdpzk]

ብድሕሪኡ ንሕቶን መልስን ዕድል ተዋሂቡ።

ዝቐረቡ ሕቶታት

  • ዋዕላ ኤርትራዊ ዲዩ ኔሩ ወይስ ናይ ፐሮፈሰር ማግነት
  • ንምንታይ ዘይተሳተፉ ውድባትን ሰቪክ ማሕበራትን ኔሮምን ኣለውን
  • አብ ዋዕላ ዝነበሩ ብድሆታት እንታይ ይመስሉ
  • ድሕረ ጉባኤ ዝወጽእ ከም ቅዋም ዲዩ ዝሰርሕ
  • ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ መሪሕነት መንእሰያት የለውን

መልስታት

  • ዋዕላ ብኹሉ መዐቀኒታት ነጸብራቕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረን
  • ንፕሮፈሰር ማግነት ዝምልከት ንኹሉ ዝበሎ ክትሰማማዓሉ ግድነት ከምዘይኮነ
  • ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ናብ ቁልቁል ተኖቒቱ እንከሎ ደንበ ተቓውሞ ብዘይ ቅድመ ኩነት ብሓባር ክሰርሕ ግድነት ከምዝኾነን።
  • ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ዘይነበሩ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ንክሳተፉ ለበዋ ከምዘመሓላለፉ
  • ኣብ ዋዕላ ካብዝነበሩ ብድሆታት ምርጫ ሰክረታርያን ኮምሽንን ክጥቀስ ይከኣል
  • ኣብ ጉባኤ ዝወጽእ ቻርተር ንመሰጋገሪ እዋን ዝሰርሕ ከምዝኾነ
  • መንእሰያት ኣብ ዋዕላ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮምን ኣብቲ ኮምሽን ካብ ፓለቲካ ውድባት ዲዩ ካብ ሲቪክ ተወኪሎም ከምዘለው።

ሕቶታት ሓደብሓድ ብሰፊሑ ድሕሪ ምምላስ ኣብ ናይ ርኢቶን ለበዋን መድረኽ ተበጽሔ።

ከም ለበዋን ርኢቶን ዝቐረቡ

  • ኾራኹር ህግደፍ ዓዲ በጺሖም ዝመጹ አለው ንምንታይ ዘይነጋልጾም
  • ምእንቲ አብ ሲናይ ምስሪ ዘለው አሕዋትና አሓትናን ሰላማዊ ሰልፊ ንግበር

ኣብ መወዳእታ እታ ሽማግለ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣብ በርን ጻብጻብ ናብ ህዝቢ ከተቕርብ ምኻና ተገሊጹ። ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ብምትሕብባር ኣብቲ ዝግበር ናይ ጉባኤ ምቅርራባት ክሳተፉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ገዛ ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም ። እቲ ርክብ ምስታ ሽማግለ ቀጻሊ ክጸንሕሞ ሓዳስ ሽማግለ ቁጽሪ ኣባላታ ብርክት ዝበለ ኣብቲ ናይ በርን ኣኼባ ክትቀውም ብምስምማዕ ኣኼባ ብሰላም ተደምዲሙ።

ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ስዊስ

31.01.2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2095

Posted by on Feb 4 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net