ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኣላት X መሪሕነት ነበር ናይ ጀብሃ ናይ ሎሚ ኣባላት መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ

ስምዑኒ ብጾትና ነብር ሰበ ስልጣን ህግደፍ 1. ኣቶ እብራሂም ቶቲል 2. ኣቶ ተስፋይ ተኽለ   3. ኣቶ  ዘምህረት ብ ኣኻትኩም ኣልዒለ ቅልዕቲ መልእኽቲ ክዝርግሕ ሕልናይ ስለ ዝደረኽኒ ሕመረት ትሕዝቱኡ ክኣ ንወሲድኩሞ ዘለኹም መርገጽ ምስቲ ቀደም መራሕትና ከለኹም ቃልስና ንሓርነታዊ ፍትሓዊ ዲሞክራስን፥ምዓርነትን፥ራህዋን፥ሰልምን እና በልኩም ብ ኣማራርሓ ናትኩም ዘጥፋእኩሞም/መን ኣሻሓት ንጹሃት ብጾትና ጀጋኑ ስዉኣት ኤርትራውያን ምስ እዚ ሕጂ ኮፍ ኢልኩሞ ዘለኹም ናይ ኮረሻ ጭኮና( እስትዕማር) ኣናጻጺረን ኣዛሚደን ዘጥፋእኩሞም ብጾትና ብኽሕደትን፥ ክድዓትን፥ ጥልመትን ንመርገጽኩም ስጋብ ሕጂ ምስ ህግደፍ ምህላውኩም ብዓይኑኹም ዘይ ኮነስ ብዓይኒ እቲ ደቁ ዝጠፍኦ ህዝብና ጌርኩም ንነብሱኹም እንተ ተማዕድዉዋ  ክንደይ ገበናትን ክንደይ ክድዓትን ክንደይ ጥልመትን ናይ ደም ህዝቢ ተሓዎሶ ጌጋታት ምስ ተራእየኩም ነይሩ።

    ስምዑኒ ብጾትና ነበር ኣባላት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣቶ እብራሂም ቶቲል ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ኣቶ ዘምህረት ኣብ ዘበነ ብረታዊ ቓልሲ መራሕትና ከለኹም ፍዳኢን ኣሰልጢንኩም ኣብ ጎኒ ባርባራዊ ስርዓት ጭኮና ደርጊ ደው ዝበሉን ዝድጉፉን ዝታሓባበሩን ቅተሉ ከምዘይ ትብሉ ዝነበርክም ሎሚ ንባዕልኹም ኣብ ስልጣን ባርባራዊ ጭኮና ስርዓት ህግደፍ ደው ኢልኩም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህልቅት ህዝብና ዝውሰን ውሳኔ ዓገብ ዘይ ምባልኩም እንታይ ኢዩ!!!!!

ስምዑኒ ብጾትና ነበር ሰበ ስልጣን ህግደፍ ጽባሕ መሬት ምስ ወግሔት ሕቶ ኣሎ ንሕና ምስ ህግደፍ መምረጺና ካብ ደርጊ ይሓይሽ ዲኹም ክትብሉ!!!!  እስከ ንምኽኒትኩም ንነብስኹም እዘን ዝስዕባ ሕቶ ኣቕርቡላ እሞ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክትረኽቡ ሃሰስ በሉ ንነባቢ ቅልዕቲ መልእኽቲ እውን ብተወሳኺ ይገምግም።

1.   ሕቶ  ህልቀት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ዝሃለቐ  ሂወት ኤርትራውያን ዓቐን ኣበይ ይበዝሕ?

2.     ሕቶ   ብውግእ ዝስንከሉ/ከላ ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ኣካሎም ዝጎደሎም ንጹሃት ኤርትራውያን እስከ ኣዋዳዱሩ ኣበይ ይበዝሕ?

3.    ሕቶ   ምዕልቅላቕ ማእሰርቲ ኤርትራውያን  ምስ ኣረሚናዊ ግፍዒ ጭካኔ ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ኣበይናይ የዕለቕልቕ ኣታሓሕዞኦም ከ ኣበየናይ ይምረር?

4.    ሕቶ  ክነታት እትፈትዋ ሃገርካ ካብ ግፍዕን ስቅያትን ንምድሓን ንስደት ምውሓዝ ዘምረሔ ህዝብና ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግዳፍ ቁጽሩን ናህሩን ኣበይ ይዛይድ?

5.    ሕቶ   ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ዝተራሰየ ዑናን ርስትን ኣበይ ይገድድ?

6.    ሕቶ  ካብ ምምሕዳር ደርጊ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ህማምን ብልሽውናን ኣብ ማእከል ሕብረተ ሰብና ዘታኣታተውዎ ኣበይ እጽዕቕ?ወዘተ…..ረፈ ከምዚ ሕቶታት እዚ ኣብ የእምሮኹም ቀሪጽኩም ብሕልና እስከ መሉሱዎ።

ብጾትና ነበር ሰበስልጣን ህግደፍ ኣቶ ኣብራሂም ቶቲል ኣቶ ተስፋይ ተኽለ ኣቶ ዘምህረት እኩብ ድምር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሉ ሕቶ እቲ ዘየካትዕ ሓቂኛ መልሲ ምስ ደርጊ ኣዋዳዲርካ  እቲ ዝኸፍኤን ዝሓሰመን ዝጨከነን ዝመረረን ዘስካሕክሕ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ከም ምዃኑ ግደፍዶ ኤርትራዊ ዜጋስ ማህበረሰብ ዓለም እውን ፈሊጡዎስ እጣበቐሉ ከምዘሎ ከም ደይ ትፈልጥዎ ኮይንኩም ንነብስኹም ኣይትቕሺሽዋ።

መቓልስቲ  ስዋኣትና ዝኾኑ ጀጋኑ ናይ ስዉኣቱ ሕድሪ ከራጋጉጹ ኤርትራ መርየታ ናጻ ካብ ዝኾነት ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ዓዶም ዘይ ራኣዩ በጀካ ሕድሪ ስዉኣትና ይተግበር ብምባሎም ካልእ ገበን ዘይብሎም ዓዶም ምርኣይ ክሕረሙ  ቆርቦትኩም ከ ከመይ ገይሩ ይገብረልኩም ኣሎ ህዝቢ ክታሓሳሰበናዩ ዝብል ሓሳብ ከ ከመይ ገይሩ ተኸዊሉኩምን ተሰዊሩኩምን ኣሎ።

ሕጂውን ኣይፋልኩምን ኑዑ ተመለሱ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሩ መዝነቶም ጠንጢኖም ናብ ፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ብጾት ኣሻሓት ዝተሰዉኡሉ/ኣላ ንኽብር ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ምሕላው ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ስርዓት ንምንጋስ ከራጋጉጹ ተቓውሞኦም የመዝግቡ ኣለዉ እስኻትኩም እውን እንተኾነ ገለ ትገብሩ እንተዘየለ መኻፍልቲ ገበንን ሓጥያትን ኢሳያስ ኴንኩም ክትልዕጠጡ ነዛ ዓልም እዚኣ ወድሰብ ኩሶዖይ ምኻኑ ፈሊጥኩም ታሪኽ ምስራሕ ይሕሸኩም  እናበልኩ ናብ ፍትሕዊ ዝኾነ ተቓውሞ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብና ኴንኩም ክትቃለሱ ይዕድመኩም።

   ንፍቶ ንጽላእ ግዜ ይብላዕ

   ሕድሪ ስዉኣት ክዕወት ኢዩ

   ካብ ጥልመትኩም ኣዜ ዝታሓሳስበኒ

   ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2194

Posted by on Aug 25 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net