ስርዓት ኣስመራ ንትግባረ ሓድነት ምብራቕን ምዕራብን ተቓወምቲ ሱዳን ጻዕርታት የካይድ ኣሎ

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣካይዱ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ትሕሳስ 1, 2005
 ካርቱም

ቀዳምይ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ኣቶ ሳልቫ ኪር ምያርደት ሎሚ ኣስመራ ኽኣቱ ትጽቢት ኣሎ።ንሱ ኣብ ዑደቱ ርክባት ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ከካይድ ምኻኑ’ውን ተፈሊጡ።እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ንዞባታት ምዕራብን ምብራቅን ሓደ ንምግባር ጻዕረታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ እዩ።ብኻልእ ወገን ድማ ምስ ምጅማር ዘተ ሰላም መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ኣብ ኣቦጃን ፍልልያት ስርዓት ኣስመራ ምስ ኣሜሪካን ባይቶ ጽጥታን ኣንድገፍሐ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ ግዜ እዩ።

ምስኡ ዝተኣሳሰር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ትማል ዕለት 30 ምስ ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቱ ተራኺቡ።እቲ ርክብ ብዛዕባ ዶባዊ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኮረ እዩ ኔሩ።ስርዓት ኣስመራ ግን ንዑደት ናይዚ ኣሜሪካዊ ብዓል ስልጣን ንኣዲስ ኣበባ ብምውቃስ ኣንጻር ናይ ኢትዮጵያ ተቃወምትን ስርዓት ኣስመራን ዝዓለመ ዑደት ኣዩ ክብል ከሲሱ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ክስታት ኣብ ልዕሊ እዚ ኣሜሪካዊ ብዓል ስልጣን ብቐጻሊ ከምዘቕረበ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም እቲ ሚኒስትር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ናይ ባይቶ ጸጥታ ውሳኔ ቁ.1640 ነጺጉ።እቲ ውሳኔ ካብ መምርሒታት ባይቶ ጸጥታ ምስዝወጻ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ሃገራት ክግበር ዝብል እዩ ኔሩ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ነዚ ውሳኔ እዚ ዝኾነ ይኹን መልሲ ኣይሃበትሉን ኣላ፡ ኤርትራ ግን ካብቲ ውሳኔ ዝወጻሉ ድሕሪ ገለ ስዓታት ዘውጻቶ ተሪር ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ጸጥታ ብምቕራብ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣረጋጊጻ።

ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ሓጺር ዑደት ናብ ኣስመራ ክገብር እዩ።ፕረዚደንት ኤርትራ ንመብዛሕትኦም መርሕቲ ፖለቲካዊትያን ሰልፍታት ሱዳን ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይዱ ጻውዒት ጌሩ ምንባሩ ይፍለጥ፡ እዚ ድማ ነቲ ዝምድናታት ናይ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ንቡር ንምምላስ ኤርትራ ተካይዶ ዘላ ጻዕርታት እዩ።

እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ከምዝሓበርዎ ስርዓት ኣስመራ ንተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳን ኪዳን መተካእታ ዝኸወን ሓድሽ ተቓዋሚ ሓይሊ ንምፍጣር ንተቓወምቲ ሕይልታት ዞባ ዳርፉርን ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ሓደ ኣካል ንምጽምባሮም ይጽዕር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2729

Posted by on Dec 1 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net