ተለቪዥን ኣልዓለም ብዛዕባ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍሉይ መደብ ኣቕሪቡ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ሕዳር 29, 2005
 ካርቱም

ትማሊ ዓርቢ ዕለት 25/11 እቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝፍኖ ተለቪዥን ኣልዓለም ፍሉይ መደብ ብዛዕባ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቕሪቡ።ኣብቲ ፕሮግራም ጋዜጠኛ ኣንዋር ኣልዓንሲ ካብ ቤሩት፡ እስታዝ መሓመድ ተወከል ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣወሃሃዲ ኢትዮጵያዊት ጋዜጣ ኣልዓለም መሓመድ ኢብራሂምን ተሳቲፎም።እቲ ፕሮግራም ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ዶባዊ ግጭትን ህሉው ምዕባለታትን ኣብመንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣቅረቡ።

ጋዜጠኛ ኣንዋር ኣልዓንሲ ወጥሪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ከምዝቕጽልን ሓድሽ ውግእ ናይ ምልዓል ትጽቢት ከምዘሎን ብምብራህ ክልቲኦም ስርዓታት ውሽጣዊ ጸገማት ከምዘለዎም ብምግላጽ ካብዚ ጸገማት እዚ ንምህዳም ድማ ናይ ወተሃደራዊ ግጭት ምርጫ ጥራሕ ከምዘለዎም ኣብሪሁ።ንሱ እቲ ምስሕሓብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናብ ውልቃዊ  ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ኢሰያስን መለስን ከምዝተቐየረን እቲ ናይ ወተሃደራዊ ዳግመ ግጭት ኣብ ዝኾነ እዋን ክለዓል ከዝኽእልን ገሊጹ።

ኣቶ መሓመድ ኢብራሂም ብወገኑ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ መርገጺ መብሪሂታት ብምሃብ ተሪር ነቐፌታ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪቡ።ምኽንያት ናይቲ ግጭት ድማ ኤርትራ ዘጋጥምዋ ዘለዉ ቁጠባዊ ጸገማትን ዞባዊ ምንጻልን እዮም ብምባል ኤርትራ ብወተሃደራዊ ይኹን ብቑጠባዊ መዳያት ድኽምቲ ሃገር እያ ክብል ገሊጹ።

ኣቶ መሓመድ ጣሃ ተውከል ብወገኑ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት ክህሉ ከምዘይክእል ብምብራህ እዚ ድማ ብሰንኪ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ኩነታት ናይ ክልቲአን ሃገራት እዩ ክብል ኣብሪሁ።እቲ እንኮ ኣማራጺ መፍትሒ ናይዚ ግጭት ድማ ብመንገዲ ዘተ ምፍትሑ ጥራሕ እዩ ኢሉ።ተወከል ከምዝበሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ሰለስተ ስትራቴጂካዊ ጌጋታት ፈጺሙ፡ ንሳተን ድማ እቲ ቀዳማይ ንኹላተን ኣማራጺታት መንጎኝነት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገዲፉ ብ 1998 ናብ ወግእ ምእታዉ፡ ካልኣይ ኣብቲ 40%  ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩሉ ግዜ ስምምዕ ኣልጀርስ ምቕባሉ፡ እታ ሳልሳይ ድማ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ኣብ ወልቃዊ ምስሕሓብ ምስ ዋና ጸሓፊ ኮፊ ኣናን ምእታዉ እዩ ክብል ገሊጹ።ብዛዕባ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌታት ብወገን ኢትዮጵያ ኣብዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ተወከል ኢትዮጵያ ናጽነት ኤርትራ ከምዝኣመነት ብምግላጽ እቶም ኤርትራ ትድግፎም ዘላ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ግን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ናጽነት ኤርትራ ብምእማኑ ከምዝቃወምዎ ኣብሪሁ።ንሱ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣወንታዊ መርገጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዘለዎን ኣብ ጥቕምታት ክልቲኦም ህዝብታት ዝተሞርከስ ዝምድናታት ክህነጽ ከምዝኽእል ድማ ሓቢሩ።እዚ ዝኽወን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስዝህሉን ናይ ሃገራዊ ስምምዕ መንግስቲ ምስዝቕወምን ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብጽቡቕ ክሰላሰል ከምዝኽእል ገሊጹ።ንሱ እቲ መንግስቲ ምስኩሎም ጌጋታቱ ሓንቲ ዕድል ተሪፋቶ ከምዘላ ንሳ ድማ ሃገራዊ ዕርቂ ምግባር እዩ ብምባል ናይቲ ስርዓት ምጉያይ ናብ ሱዳንን የመንን ወይ ድማ ኢትዮጵያ ፍታሕ ከምዘይኮነን ብምሕባር እቲ ስርዓት ምስ ህዝቢ ክተዓረቕን፡ እሱራት ክፈትሕን ብብዝሑነት ርእይቶ ክኣምንን ናይ ቁዋም ሃገር ክቕወምን ኣለዎ ክብል ገሊጹ።ተወከል ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ ድኻ ሃገር እያ ናይ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምውቃስ ኤርትራዊያን ሃገሮም ከምሓድሩ ክእለት ከምዘለዎም እታ ሃገር ዓቢ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ከምዘለዋ ብምብራህ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብ ፖሊሲታት እቲ ስርዓት እምበር ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2909

Posted by on Nov 29 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net