ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዛዚሙ

ሓደሽ ምቅይያራት ኣብ ፈጻሚ ሽማገለ ጌሩ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ነሓስ 9 ,2005
 ካርቱም

ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ካርቱም ብዕለት 6/08/2005 ዝጀመረ 2ይ ስሩዕ ኣኼኡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኬባ ዕለት 9/08/2005 ተዛዚሙ።ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ኣኬባ ወከልቲ ሃገራት ምትሕግጋዝ ሰንዓን ምዕከናት ዜናታትን ከምዝተረኽቡ ይፍለጥ።ኣብቲ ዝነበረ ኣኼባ ወኪል መንግስቲ ሱዳን ብስም ሃገራት መትሕግጋዝ ሰንዓ ኣብ ዘቕረቦ ቃል እተን ሃገራት ዘለወን ደገፍ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ።ከምኡውን ወኪል መንገስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብመጀመርያ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምግላጽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምስፋን ሰላምን ዲሞክራስን ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

 ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ኣኬባ ኣቦወንብር ማአከላይ ባይቶ ዶር መሓሙድ ነጋሽ ምትሕግጋዝ ሃገራት ሰንዓ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ድሕሪ ምምስጋን ሓድሽ ለበዋታትን ውሳነታትን ዝሓዘ ደምዳማዊ ኣዋጅ ብቃንቃታት ዓረበን ትገርኛን ተነቢቡ።

ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ መንቅሰቓስ ናቶ ዓብደላ ኣደም ከም ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግል ኮይኑ ከገልግል ዳግማይ መሪጽዎ።ከምኡውን ናይቶ ካላኦት ኣሰራርዓ ሓላፍነት ከምዚ ይመሰል፡-

   -ኣቶ ዓብደላ ኣደም —————– ኣቦወንበር ፈጻሚ ሽማግለ

   -ኣቶ ዛይድ ግደ ——————— ምክትል ኣቦውንበርን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን

   -ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ኢብራሂም —–ውድባዊ ጉዳያት

   -ኣቶ ሳላሕ ዓሊ ኣሕማድ ——— ሰክረታሪ

   -ኣቶ ገባር ዑቕበ  —————— ሓላፊ ክፍሊ ዜና

   -ኣቶ ዑቕባይ ትኽለ —————- ሓላፊ ፋይናንስ

   -ኣቶ መሓሙድ ዑመር ———— ክፍሊ ጽጥታን ወትሃደራዊ ጉዳያትን

  ካብቶም ጠቕላላ 33 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ 21 ኣባላት ከምዝተሳተፉ (ከምዝተረኽቡ) ካልኦት 5 ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዘይተርኽቡ ብኽፉት ደብዳቤ እንዳሓበሩ ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።እቶም ዝተረፉ 7 ኣባላት ግን ብዘይ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይተረኽቡ ይፈለጥ።ናይዞም 7 ኣባላት ምኽንያት አተጽንዕ(እተጻሪ) ኮሚቴ ብመሪሕነት ኣቦወንበር ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተመዚዛ ከምዘላ ተፈሊጡ።እዛ ኮሚቴ ነቲ ጉዳይ ተኸታቲላ ግቡእ ዝኾነ ውሳነ ንኽትወስድ በቲ ማእከላይ ባይቶ ሙሉእ ስልጣን ተዋሂብዋ’ሎ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2776

Posted by on Aug 9 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net