ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ብሰንኪ ዝክተሎ ዘሎ ፖሊስታቱ ጸቕጢ ይገብር ፡ ምዕባለታት ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
ሰነ 10, 2005
ካርቱም  

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ዒስራን ኣርባዓተን ሰዓታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግጭት ምዕባለ ኣርእዩ።ክልተኤን ሃገራት ነንሕደን ናይ ክሲ ቃላት ተለዋዊጠን።ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ሓንቲ ጉጅለ ኤርትራዊያን ኮማንዲስ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ።ፌደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ኣባላቱ ሓንቲ ጉጅለ ረሽራሽ፤ ኣርቢጂ ዝዓጠቐት ከምዝሓዙ ኣብ ጋዜጣ ሞኒተር ኣብ ዘውጽእዎ መግላጺ ኣፍሊጦም።ብመሰረት እዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ንስርዓት ኣስመራ መጠንቐቕታ ከምዘቕረበትን ኤርትራ በቲ ትገብሮ ዘሎ ምጥሓስ ዶብ ንዝምልከቶም ወግናት ከምዘፍለጠት ሓቢራ።ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓይልታት ስለያ ኤርትራ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።ስርዓት ኣስመራ ኣብ ወታደራዊ ተዓሊምን ኣጽዋርን ንተቐናቐንቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝህብ እቶም ኣብ መጀመሪያ ዝተተሓዙ ሓቢሮም።ከምእውን ኣዲስ ኣበባ፡ ሰርዓት ኣስመራ ናይ ስለያ ኣባላቱ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዝሰደደን ኣብ ናይ ግብረ ሽበራ ስርሓት ከምተዋፈረ ከሲሳ።

እዚ ምዕባለ ዘረአ ዘሎ ነቲ መስርሕ ሰላም ከስብ ሕጂ ካብ ቦትኡ ዘይተንቐሳቐስ ዘሎ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።ሰርዓት ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብተማሃሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘባዓሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።ነቲ ተግባራት ድማ ከምዝድገፍዎ ብመገዲ ፕሮፖጋንዲያዊ ማዕከናት ሓቢሩ።ከምዝዝከር ኣብ ካርቱም ብተማሃሮ ዝተገበረ ተቓውሞ ኣብ ዜና ምንጭታቱ ወሲድዎ ከምዝነበር ይፍለጥ።

ስርዓት ኣስመራ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፤ ናጽነት ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክዛረብ ከሎ ይገርም እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።ምኽንያቱ ስርዓት ኣስመራ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተማሃሮ ብምእሳር፤ ካልኦት ድማ ትምህርቶም ከምዘቛርጹን ንግዱድ ውትህድርና ብምውሳዱን፤ ካልኦት ኣማኢት ናይ ፖለቲካ እሱራት  ከሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእስርቲ ከምዝርከቡን፤ ነጻ ናይ ብሕታዊታን ጋዜጣታት ምዕጻው፤ ሙሉእ ናጽነት ኣብ ማሕበራዊ ሂወት ምእጋድ፤ ሙሉእ ናይ ኣህጉራዊ ሕግታት ንመሰል ደቒ ሰባት ዘብሩ ዝግህስ ምዃኑ እቶም ተዓዝብቲ ይገልጹ።

ተሌቪዥን ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረአ ዘሎ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ሰልፍታት ተማሃሮ ሙሉእ ጸብጻብ ኣቕሪባ።እዚ ድማ ነቲ ዝተገበረ ተግባራት ደገፍ መንግስቲ ዘርእይ እዩ።ንሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቕ ጻውዒት ኣቕሪባ።ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ነቲ ኣብ ግንቦት 15, 2005 ኣብ ዝተገበረ ምርጫ ምድንጋራት ከምዝነበሮ ስርዓት ኣስመራ ወቒሱ።ብመሰራት እዚ ድማ ኣፈኛ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕባለ ርክብ ከምዘይብሎም ዝፍለጡ ብምዃን ንተተከታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ጽብጻብ ከተቕርብ ጸኒሑ።

 

ህዝብ ኤርትራ ካብ ስርዓት ኣስመራ ናጻ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንክካየድ እዩ ዝጽበይ ነይሩ።እቲ ስርዓት ግን ኣብዚ ዞባ ዝረአ ዘሎ ግጭት ከም መድናገሪ ብምጥቓም ነቲ ውሽጣዊ ጸገማቱ ኣንፈቱ ንምቕያር ዝጥቐመሎም ዘሎ ስልቲ እዩ።ስለዚ ተሌቪዥን ኤርትራ ብጉዳያት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተሻቂላ ትረአ ኣላ።ኣክንዲ ውሽጣዊ ዘተን ዕርቒን ምኽፋት፤ ኣክንድ ምስ ተቓውምቱ ዝርርብ ምኽፋት እሞ እዚ ፍሽልት ብምርኣዩ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ ከም መህደሚ ተጠቒሙ ብዛዕባ ናይ ጎራብቱ ጸገማት ኣብ ምቕላሕ ይርከብ ኣሎ።እዚ ድማ እቲ ዓብይ ፍሽለት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ንምሽፋን እዩ።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ርክብ ስርዓት ኣስመራ ምስ ካርቱም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብዝተራእየ ሕንፍሽፍሽ እዩ።ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርዓት ኣስመራ ኣዕናዊ ስርሓት ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሱዳን ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር ጠንቒ ናይዘምርግጋእ ስርዓት ኣስመራ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ምስዚ ዝተኣኣሳሰር ዜና ድማ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንድሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣቶ ኣላኣሚን መሓመድ ስዒድ ምትእትታው ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣሚኑ።ንሱ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብዝረአ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ስትራተጂካዊ ጠቕምታት ከምዘለዋ ብምሕባር ሱቕ ኢላ ከምዘይትርእይ ኣፍሊጡ። ኣቶ ኣላኣሚን ምትእትታው ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍትሒ ንምንጋስ ድሕሪ ምባሉ ደገፍ ሃገሩ ንሓይልታት ተቓወምቲ ሱዳን ድማ ኣረጋጊጹ።

ስርዓት ኣስመራ ብዝገብሮ ዘሎ ምትኹታዃት ኣብ ልዕሊ መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘየርእይ እዩ።ምኽንያቱ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት 700,000 ካብዚኦም ኣስታት 200,000 ኣብ ኢትዮጵያ ዝርክቡ ኮይኖም እዞም ዜጋታት ኣብቲ ዘሎዎ ሃገራት ጠቕምታት ዘለዎም ኮይኑ በቲ ስርዓት ኣስመራ ዝፈጥሮ ዘሎ ምትእትታዋት ኣብ ጎራብቲ ሃገራት ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ከቢድ ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

ስርዓት ኣስመራ ዜጋታቱ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ድሕሪ ምግባሩ ኣብቲ ዝርከብዎ ሃገራትውን ጸቕጢን ዘይምርግጋእን ክፈጥረሎም ዝጽዕር ስርዓት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2781

Posted by on Jun 10 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net