News

ምስጛግ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ቻድ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ነሓስ,13,2005
 ካርቱም

   ከምዝፍለጥ ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ማለት ሊብያን ቱኒዚያን ከምኡውን ደሴት ማልታ ዓቢ ጸገማት ከምዘጛንፎም ይዝከር።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዕለት 11/08/05 ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተባሪሮም ንቻድ ከምዝኣተዉ ምንጪታት ሓቢሮም።ምኽንያት መስጎጊ ናይዞም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከኣ ዛጊት ኣይተፈልጠን።እዚ ፍጻመ እዚ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ተወሳኺ ሓድሽ ምዕራፍ ጸገማት ኮይንዎም ኣሎ።እንተኾነ ግን ምውሓዝ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይቕጽል ከምዘሎ ይፈለጥ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top