News

ኣብ ዝሃለፈ ሰሙን ልዕሊ 60 ተምሃሮ ሳዋ ኣብ ሓደ ግዜ ናብ ሱዳን ሃዲሞም

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ነሓስ,16,2005
 ካርቱም

 

እዞም ሓደሽቲ ተምሃሮ 19 ዙርያ ብሽም ዋርሳይ ይከኣሎ ዝፈለጥ ናይቲ ስርዓት መደብ ንሳዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዚወረዱ ይፍለጥ።እንተኮነ ግን ኣብቲ ብሽፋን ቤት ትምህርቲ ዝጽዋዕ መዓስከር ሳዋ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸቕጥን ጨቃኒ ዝኮነ ወተሃደራዊ ኣተሓሕዛን ተገዲዶም 60 ተምሃሮ ኣብ ሓደ ገዜ ናብ ሱዳን ኣትዮም።ቅድሚ ሕጂውን ኣብ ዝሓለፈ 18 ዙርያ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ተምሃሮ ኣብሓደ ግዜ ናብ ሱዳን ከምዛተዉ ይፍለጥ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዝሓለፈ 23/07/2005 ዝነበረ መመረቕታ ብዓል 18 ዙርያ ፕርዚደንት እቲ ስርዓትን ካልኦት ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ኣብ ዝነበሩሉ፡ ፕረዚደንት እቲ ስርዓት ኣብቲ ዝሃቦ መደረ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ጸገማት ከጋጥም ንቡር እዩ።ናብዚ መጺኹም ጉቡእኩም ምፍጻምኩም ነዛ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ኢኹም ጌርኩም ”ነዛ ዓመት ከይፍጽሙ ሰማንያ ዓመት የሃድሙ” ብዝብል ዘረባ እቲ ዝወርዶም ዘሎ ሽግርን ጸቕጥን ብጉልባብ ሓሊፉ መንእሰያት ተምሃሮ ነቲ ሃገራዊ ገቡእ ጸሊኦም ከም ዝሃድሙ ገሊጹ ከምዝነበረ ይፈለጥ።እዞም ተምሃሮ ግን በቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግርን ጸቕጥን ናይ ስድራቤት ቁጠባዊ ጸገማትን መዓልታዊ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖ ናብ ጎረብኔት ሃገር ሱዳን ይውሕዙ ኣለዉ። 

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top